ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ርእሰ-ሊቃነ ጳጳስ ፍራንሲስ ኣብ ስታድየም ዩኒቨርሲቲ ኬንያ ታሪኻዊ ስርዓት-ቅዳሴ መሪሖም


ኣብ`ቲ ዝናብ ዝወቕዓሉ ዝነበረ ክፉት ሜዳ፡ በኣሰርተታት ኣሸሓት ዝቁጸር ህዝቢ ኔሩ። ናብ`ቲ ስታድየም ዝውሕዝ ህዝቢ ብለይቱ`ዩ ሪጋ ሒዙ ሓዲሩ።

ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ፍራንሲስ፡ ብዛዕባ ክብርታት ኣፍሪቃዊ ልምዲ፡ ንዓበይቲ ክውሃብ ዝግብኦ ኣኽብሮትን፡ ንሕጻናት ዝግባእ ፍቕርን ተዛሪቦም።

መንእሰያት ብቓላት-ኣምላኽን፡ ልቦናን ክምርሑ፡ ኩሉ-ሓቆፍ ዝኾነ ሰብኣዊ ክብሪ ክሃንጹ`ውን ተማሕጺኖም።

እቶም ርእሰ ሊቃነ-ጳጳሳት፡ ምስ መራሕቲ ሃይማኖት ተራኺቦም፡ እቲ ዘገልግልዎ ኣምላኽ ናይ ሰላም ኣምላኽ ምዃኑ`ውን ኣዘኻኺሮም። እቶም ጳጳስ፡ ዓርቢ ናብ ኡጋንዳ ከምርሑ`ዮም፡ ሰንበት ድማ ብሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዑደቶም ክዛዝሙ`ዮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

XS
SM
MD
LG