ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ርእሰ-ሊቃነ ጳጳስ ፍራንሰስ ናይ አፍሪቃ ዑደቶም ዛዚሞም


ርእሰ-ሊቃነ ጳጳስ ፍራንሰስ ናብ ሰለስተ ሃገራት አፍሪቃ ከካይድዎ ዝጸንሑ ዑደቶም ዛዚሞም ሎሚ ንግሆ ካብ ሪፖብሊክ ማእከላይ አፍሪቃ ናብ ቫቲካን ተመሊሶም’ለው።

ሊቃነ-ጳጳስ ፍራንሰስ አብ አፍሪቃ ዘካየድዎ ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ዑደቶም ክብሪ ስድራቤት፡ ለዉጢ ክሊማን ድኽነትን ብፍላይ ድማ ሰላምን ስኒትን አብ ዝብሉ አርእስትታት ዘተኾረ’ዩ ኔይሩ።

ሊቃነ-ጳጳስ ፍራንሰስ ናይ ሪፓብሊክ ማእከላይ አፍሪቃ ዑደቶም ቅድሚ ምዝዛሞም አብ ስታድዮም’ታ ሃገር ቅዳሴ አኻይዶም።

ኣቐዲሞም አብ ባንጒ ኣብቲ ሓደገኛን ብተደጋጋሚ ግጭት ዝካየደሉ ከባቢ ንዝርከብ መስጊድ ዝበጽሑ ሊቃነ-ጳጳስ ፍራንሰስ አስላምን ክርስትያንን አሕዋት ምኳኖምን ብሓባር ክነብሩ ዘይኽእልሉ ምክንያት ከምዘየለን ሓቢሮም። እቶም ሊቃነ ጳጳስ ምስ አብቲ መስጊድ ዝነበሩ ኢማማት ምርኻቦም’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ርእሰ-ሊቃነ ጳጳስ ፍራንሰስ ናይ አፍሪቃ ዑደቶም ዛዚሞም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:00 0:00

XS
SM
MD
LG