ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግንባር ሓርነት ኦጋደን፡ ኩባንያታት ነዳዲ ዳህሳስ ከየካይዳ ኣጠንቂቑ


መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን፡ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ዝብሃል ውድብ ህልውንኡ ኣብቂዑ`ዩ ዝብል ምላሽ ሂቡ`ሎ

ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን፡ ፖሊቲካዊ መዕለቢ ክሳብ ዝርከብ፡ ኣብ ኽልልና ዳህሳስ ነዳዲ ክካየድ ኣይክነፍቅድን ኢና ኢሉ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ወተሃደራትን ሚሊሻታትን መንግስቲ መጥቃዕቲ ወሲዱ፡ ኣብ ሰብን ንዋንት ከቢድ ክሳራ ከምዘውረደ ንቪኦኤ ገሊጹ`ሎ።

ወሃቢ -ቓል መንግስቲ ብወገኑ፡ ገለ ተለኣኣኽቲ መንግስቲ ኤርትራ እንተዘይኮይኖም ኦብነግ “ህልውና ሃሊይዎ፡ ንመከላኸሊ ሓይሊ ኢትዮጵያ ክገጥም ዝኽእል፡ ንልምዓትና ሓደጋ ክኸውን ዝኽእል ዓቕሚ ዘለዎ ኣይኮነን” ኢሉ።

ወሃቢ ቓል ኦብነግ ከኣ “ኩናት እንተዘይሃሊዩ ስለምንታይ ጋዜጠኛታት ክኣትዉ ዘየፍቅዱ” ክብል ይሓትት።

ንኽልቲኡ ርኢቶታት ኣብ`ዚ ምልክት ድምጺ ምስማዕ ይክኣል፡

ONLF says It will not allow oil exploration in Ogaden until a political settlement
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:45 0:00
መራገፊ

XS
SM
MD
LG