ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዩናይትድ ስቴትስ ኒኩሌራዊ ኣፅዋር ብሲሶ ንምንካይ ድልየት ኣለዋ ኢሎም ፕሬዝዳንት ኦባማ


OBAMA-BERLIN/
OBAMA-BERLIN/
ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ዓለም ካብ ኒኩሌራዊ ኣፅዋር ነፃ ንምግባር ኣብ ታሪኻዊ ናይ በርሊን ብራንደን-በርግ ሎማዕንቲ ረቡዕ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ራኢዮም ገሊፆም።

ፕሬዝዳትን ኦባማ ናይ ኒኩሌር ኣፅዋር ብሲሶ ንምቕናስን ምስ ሩሲያ ዝርርብ ንምሓድስን ድልየቶም ገሊፆም።

ኒኩሌራዊ ኣፅዋር ብምንካይ ናይ ዩናይትድ ስቴትስን መሻርኽታን ፀጥታ ምርግጋፅ ይክኣል እዩ እውን ኢሎም።

ሩሲያን ዩናይትድ ስቴትስን ኣብ 2010 ኣ/ፈ ኣብዝገበርኦ ስምምዕ ክልቴን ሃገራት ቁፅሪ ስትራተጂያዊ ናይ ኒኩሌር ኣፅዋረን ኣብ 2018 ኣ/ፈ ናብ 1,550 ንምውራድ ተፈራሪመን እየን።

ቅድም ክብል እውን ንጉዳይ ናይ ኢንተርኔት ስለላ ሓዊሱ ምስ ናይ ጀርመን ቻንስለር ኣንጌላ
መርኬል ተዘራሪቦም ነይሮም።ድሕሪ እቲ ርክብ ክልቲኦም ኣብዝሃብዎ ናይ ሓባር ጋዜጣዊ መግለፂ እቲ ናይ ኢንተርኔት ኽትትል ብትእዛዝ ቤት ፍርዲ ከምዝፍፀምን ኣብ ጉዳይ ናይ ውልቂ ሓበሬታ’ውን ብኣዝዩ ዝተወሰነ መጠን ከምዝፍፀምን ኦባማ ተኸላኺሎም።‘’ንናይ ተራ ዜጋታት ጀርመን ወይ ዜጋታት ኣሜሪካ ወይ ዜጋታት ፈረንሳይ ወይ ናይ ዝኾነ ይኹን ሰብ ኢሜይል እንርአሉ ኩነታት ኣይኮነ ዘሎ።’’

ገለ ጀርመናዊያን ብናይ ቀደም ኮሚንስት ምብራቕ ጀርመን ኣግልግሎት ስለያ ይግበረሎም ንዝነበረ ኽትትል ብምዝካር ብዛዕባ እቲ ናይ ዩናትድ ስቴትስ ኽትትል ሻቐሎቶም ገሊፆም።

ምዕራባዊያን መራሕቲ ኣብ ሶሪያ ንዝንቀሳቐሱ ኣኽረርቲ ብምንፃል ንተቓወምቲ ሶሪያ ንምሕጋዝ ዘሎ ድልውነት ኣብ ኣኼባ ጉጅለ ሸሞንተ ከምዝተረጋገፀ ሓቢሮም ኣብቲ መግለፂ።ፕሬዝዳት ኣሳድ እታ ሃገር ናብ ንቡር ብዝመልስ ፖለቲካዊ መሪሕነት ክትክኡ ከምዝደልዩ ፕሬዝዳንት ኦባማ ሓቢሮም።

ቻንስለር መርከል ግን ናይ ሃገረን ሕጊ ስለዘይፈቅድ ንናይ ሶሪያ ተቓወምቲ ከምዘየዕጥቓ ገሊፀን።መንግስተን ዝሕግዘሉ ካሊእ መንገዲ ከምዘሎ ግን ከይገለፃ ኣይሓለፋን።
XS
SM
MD
LG