ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተሸለምቲ ኖቤል አብ ዓውዲ ሕክምና 2015 ተፈሊጦም


Nobel prize in Medicine - winners
Nobel prize in Medicine - winners

አብ ርእሰ ከተማ ሽወደን ስቶኮልም ዝመደበሩ ኮሚቴ ሽልማት ኖቤል ናይ ሎም-ዘበን ቀዳሞት ተሸለምቲ ኖቤል፣ አብ ዓውዲ ሕክምና ዝነጥፉ ተመራመርቲ ምዃኖም ገሊጹ።

እቶም ሰለስተ ተመራመርቲ፣ዊልያም ካምፐል ካብ አየርላንድ፡ ሳቶሺ ዑሙሩ ካብ ጃፓን: ቱ ዩዩ ካብ ቻይና’ዮም።

ተመራመርቲ ካምፐልን ዑሙሩን ነዚ ሽልማት ዝበቅዑ ኖቨል ተራፒ (Novel Therapy) ዝተባህለ ብroundworm parasites ዝተባህለ ባልዕ ንዝፍጠር ረኽሲ ዝከላኸል ኣገባብ ሕክምናዊ ምህዞ’ዮም። ቱ ዩዩ ድማ ሕማም ዓሶ ንዝጠንቁ ሞት ብልዑል ቁጽሪ ንምንካይ ዘኽእል መድሃኒት ብምምስራሓ’ዩምስቶም ቀዳሞት ክልተ ሓቢራ ተቐባሊት ስልማት ኖቤል ናይ ዓውዲ ሕክምና ክትኸውን በቒዓ።።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ተሸለምቲ ኖቤል አብ ዓውዲ ሕክምና 2015 ተፈሊጦም
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:52 0:00

XS
SM
MD
LG