ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናእዳ ዝተውሃቦ ምርጫ ናይጀሪያን ሓድሽ ፕሬዝዳንትን


Muhammadu Buhari
Muhammadu Buhari

ናይ ናይጀሪያ ፕሬዝዳንት ኮይኖም ዝተመርፁ ሙሓማዱ ቡሓሪ ሃገሮም ንዴሞክራሲ ብምሕቛፍ ንናይ ሓደ ፓርቲ መንግስትነት ደርቢያቶ ኢሎም።ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ሓዊሱ መራሕቲ ሃገራት ናይ እንኳዕ ኣሓጎሰኩም መልእኽቲ እናልኣኹ እዮም።

ኮሚሽን ምርጫ ናይጀሪያ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብዝተኻየደ ፕሬዝዳንታዊ ምርጫ ማሕማዱ ቡሓሪ ንፕሬዝዳንት ጉድላክ ጆናታን ብምስዓር ተዓዊቶም ኢሉ ድሕሪ ምግላፁ ሎማዕንቲ ረቡዕ ኣብዘስምዕዎ መደረ ስልጣን ሓደ ፓርቲ ኣኺሉዎ እዩ ኢሎም።

‘’ብሰለማዊ መንገድን ብስርዓትን ምርጫ ክነካይድ ምኽኣልና ናይ ዓለም ኣዕንቲ ኣባና እየን ኣተኲረን ቐንየን ዝበሉ ቡሓሪ’’ ብምስዓብ ‘’ንዴሞክራሲ ዝተቐበልና ህዝቢ ምዃንናን መንግስቲ ንህዝብን ናይ ህዝብን ምዃኑ ዝተቐበልና ምዃንና ንዓለም ኣመስኪርና ኣለና’’ኢሎም።

ኣቦ መንበር ኮሚሽን ምርጫ ናይጀሪያ ኣታሂሩ ጀጋ ቡሓሪ 12.9 ሚሊዮን ድምፂ ንዝረኸቡ ፕሬዝዳንት ጉዳላክ ጆናታን 15.4 ሚሊዮን ድምፂ ብምርካብ ተዓዊቶም ክብሉ ሎማዕንቲ ረቡዕ ብወግዒ ኣዊጆም ኣለው።

ቡሓሪ ንጉድላክ ጆናታን ዝተኸበሩ ተነሓናሒ ክብሉ ብምግላፅ ሰናይ ተመነዮምሎም።

ኣባል All Progressives Congress ፓርቲ ዝኾኑ ቡሓሪ 29 ግንቦ 2015 / ፅምብል ፕሬዝዳንታዊ ቃለ ምሓላ ክፍፅሙ እዮም።

ጉድላክ ጆናታን ንነፃን ሚዛናዊን ምርጫ ዝኣተውዎ ቃል ብምኽባር ስዕረቶም ምቕባል ኣዊጆም ኣለው። ‘’ሓድነት፣ምርግጋእን ምዕባለን ክብርቲ ሃገርና ካብ ኩሉ ነገር ብዝበለፀ ኣገዳሲ እዩ’’ ኢሎም ብምቕፃል።

ናይ ወፃኢ መራሕቲ ንክልቲኦም መራሕትን ንናይጀሪያዊያንን ብሰላማዊ ኣገበባ ብምድማፆም ናእድኦም ኣብ ምግላፅ ይርከቡ።ናይ ኣሜሪካ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ሎማዕንቲ ረቡዕ ኣብ ዝወፀ መግለፂ ንቡሓሪ እንኳዕ ሓጎሰኩም ኢሎምዎም፣ጉድላክ ጆናታን ድማ ንረብሓታት ሃገሮም ብምቕዳም ስዕረቶም ዝተቐበሉ ክብሉ ንኢዶምዎም።

ኣደ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኮሳዛና ዲላሚኒ ዙማ ‘’ውፅኢት እቲ ምርጫ ዘነፀሮ እንተሃለወ ዴሞክራሲ ኣብ ናይጀሪያ ጥራሕ ከይኮነስ ኣብ መላእ እታ ኣህጉር ዓብዩ ከምዘሎ ዝገልፅ እዩ’’ኢለን።

ሙሉእ ትሕዝትኡ ንምስማዕ ኣብ ታሕቲ ንዘሎ ምልክት ድምፂ ጠውቁ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:04:02 0:00

XS
SM
MD
LG