ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣዲስ ኣበባ፡ ሓውልቲ ብጹእ ኣቡነ ጴጥሮስ ናብ ቦትኡ ተመሊሱ


ብሰንኪ ህንጸት መንገዲ ባቡር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ ቦትኡ ተላዒሉ ዝነበረ ናይ ሰማእት ሓርበኛ ብጹእ ኣቡነ ጴጥሮስ ሓውልቲ ብድሙቕ ስነስርዓት ናብ ቦትኡ ተምሊሱ።

ብጹእ ኣቡነ ጴጥሮስ ንህዝቢ ኣለዓዒልኩም፣ንስኹም እውን ዓሚጽኩም፣ካልኦት’ውን ክዕምጹ ገይርኹም ብዝብል 22 ሓምለ 1928 ዓ/ም ብጊዜ ወራር ጥልያን ተፈሪዱዎም ከምዝተረሸኑ ይፈለጥ።

ኣብ ጥቓ እቲ ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ዝተቐትልሉ ቦታ ድማ ብሃጸይ ሃይለስላሴ ሓውልቲ ተሰሪሕሎም።

ሃዲድ መንገዲ ባቡር ትሕቲ መሬት ብኣደባባይን ሓውልትን ኣቡነ ጴጥሮስ ስለዝሓልፍ ብ24 ሚያዚያ 2005 ዓ/ም እቲ ሓውልቲ ካብቲ ቦታ ተላዒሉ።

እቲ ሓውልቲ ናብቲ ዝነበሮ ቦታ ቅድሚ ምምላሱ ዘድሊ መጽናዕቲ ከምዝተኻየደ ዋና ዳይረክተር በዓል ስልጣን መጽናዕትን ሓለዋን ቅርሲን ኣቶ ዮናስ ደስታ ገሊጾም ኣለው።

እቲ ሓውልቲ ትማሊ ሰንበት ብድሙቕ ስነስርዓት ኣብቲ ናይ ቀደም ቦትኡ ተተኺሉ’ሎ ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣዲስ ኣበባ፡ ሓውልቲ ብጹእ ኣቡነ ጴጥሮስ ናብ ቦትኡ ተመሊሱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:23 0:00

XS
SM
MD
LG