ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መቀለ ዘበናዊ ማእከል ቴክኖሎጂ ምርባሕ ተኽልታት


ኣብ ዕዮ ዝተፀምዳ ቴክኒሻናት
ኣብ ዕዮ ዝተፀምዳ ቴክኒሻናት
ኣብ መቀለ ትግራይ ዝደኮነ ዘበናዊ ቤተ-ሙከራ ምርባሕ ተኽልታት (MIT Plant Tissue Culture Labratory) ኣብ ዝሓፀረ ጊዜ ሚልዮናት ፈልስታት ዝተፈላለዩ ንግዳዊ ተኽልታት ብምርባሕ ኣብ ጥቅሚ የውዕል።

እቲ ማእከል መራብሒ ተኽሊ፣ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ እታ ሃገር ኣዝዩ ንዘድልያ ብሚልዮናት ዝቁፀር ቃንጫ ሽኮር ብምርባሕ ናብ ዓሰርተ ስራሕ ንክጅምራ ስርሐን ይሳለጣ ዘለዋ ፋብሪካታት ምልኣኽ ጀሚሩ‘ሎ።

ዓሰርተ ሄክታር ግራት ቃንጫ ሽኮር ንምትካል ኣብ ሓደ ሄክታር ዝቦቀለ ቃንጫ ሽኮር ምጥፋእ እንኮ ኣማራፂ ከምዝነበረን፣ሳላ‘ዚ ሓድሽ ዝተኣታተወ መራብሒ ተኽልታት ግና እቲ ክበርስ ዝነበሮ ምድሓን ተኻኢሉ‘ሎ ይብል ናይ ሎሚ ጋሻና።

እዚ ማእከል መፅናዕትን ምርምርን‘ዚ፣ኣብ ዓለምና ሚልዮናት ፈልስታት ብምርባሕን ብምብፃሕን ቀዲሙ ዝስራዕን‘ዩ’ውን ይብል ጋሻና።
ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:09:57 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG