ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕማም ማይክሮሰፋሊ ምስ ዚካ ቫይረስ ዝምድና ኣለዎ ተባሂሉ


ብዚካ ቫይረስ ዝተጠቕዓ ሰብ ምስቲ ቫይረስ ብዝተሓሓዝ ናይ ጥዕና ጸገም ከጋጥሞም ኣይተራእዩን። እቲ ተጽዕኖ ግን በቲ ቫይረስ ዝተጠቕዓ ኣዴታት ኣብ ዝወልድዎም ቆልዑ ጎሊሑ ይረኣይ ኣሎ ተባሂሉ።

ለበዳ ዚካ ቫይረስ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ኣብ ብራዚል ካብ ዝለዓል ጀሚሩ አስታት 4,000 ዝኾኑ ህጻናት ማይክሮሰፋሊ ብምባል ዝፍለጥ ንሸኽና ርእሲ’ቶም ህጻናት ዘንእስን ንምዕባለ ሓንጎል ዘጎናድብ ሕማም ከምዝተጠቕዑ ይግለጽ ኣሎ።

ኣብ መንጎ ዚካ ቫይረስን ሕማም ማይክሮሰፋሊ ዘሎ ርክብ ገና ኣይተረጋገጸን እንተኾነ ግን ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ተመራመርቲ ብዛዕባ ምምስሳል ምልክታት ክልቲኦም ሕማማት ዝሓሸ መግለጺ ከምዘለዎም ይሕብሩ እዚ ድማ ዚካ ቫይረስ ጠንቂ’ቲ ሕማም’ዩ ዝብል’ዩ።

ማእከል ምክልኻል ሕማማት ሕማም ማይክሮሰፍሊ ዘይልሙድ ተርእዮ ምኳኑ ይገልጽ። እዚ ሕማም ዘለዎም ህጻናት ግን ካብ ካልእ ከም ናይ ምርኣይ፡ምስማዕ፡ምዝራብ፡ምንቅስቃስ ኮነ ናይ ኣእምሮ ናይ ጥዕና ጉድለታት ከምዘይብሎም’ውን የረድእ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ሕማም ማይክሮሰፋሊ ምስ ዚካ ቫይረስ ዝምድና ኣለዎ ተባሂሉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:50 0:00

XS
SM
MD
LG