ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መለስ ፋውንደሽን ተጣይሹ


Ethiopian Prime Minister Meles Zenawi (2008 file photo)
Ethiopian Prime Minister Meles Zenawi (2008 file photo)
ኣርባዕተ መራሕቲ ኣፍሪካ ኣብ ዝተረኸብሉ መለስ ፋውንደሽን ትማሊ ሰንበት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብወግዒ ተመስሪቱ።ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ሓድሽ ህንፃ ሕብረት ኣፍሪካ ዝተኻየደ ናይቲ ትካል ምስረታ ፕሬዝዳንትታት ጁብቲ፣ሱዳንን ኡጋንዳን ከምኡ’ውን ቀዳማይ ምንስቴር ሱማሊያን ተረኺቦም።

ኣብቲ ስነስርዓት መደረ ካብ መንጎ ዘስምዑ ኣዶ መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኒኮሳዛዛ ዲላሚኒ ዙማ መለስ ዜናዊ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ፓን ኣፍሪኣክኒስት ነይሮም ክብላ ኣወዲሰንኦም።
ናይ ቀደም ናይ ናይጀሪያ ፕሬዝዳንት ኦሊሰጎን ኦባሳንጆ ብወገኖም መለስ ዝኾነ ይኽይን ክብሪ ዘይዓብዮም ዓብዪ ሰብ ነይሮም ኢሎምዎም።

ብዓልቲ ቤት ኣቶ መለስ ዜናዊ ወሮ ኣዜብ መስፍን’ውን ሓዘነን ንዝተኻፈለ ንምሉእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣመስጊነን።

ናይ ኡጋንዳ ፕሬዝዳንት ዩዎሪ ሙሶቮኒ ምሙጋስ ጥራሕ ከይኮነስ ነቲ ትካል ናይ 300 ሽሕ ዶላር ውህብቶ ኣበርኪቶም።

ሱዳን ክልተ ሚሊዮን ዶላር፣ደቡብ ሱዳን ሓደ ሚሊዮን ዶላር፣ጁብቲ ድማ ፍርቂ ሚሊዮን ዶላ ንምሃብ ቃል ኣትየን ኣለዋ።

እዚ ብስም ኣቶ መለስ ዜናዊ ዝተፀውዐ ፋውንደሽን ዓለምለኸ ደረጅኡ ዝሓለወ ትካል ከምዝኸውን ተገሊፁ’ሎ።

እቲ ትካል ቤተ መፃሕፍትን ናይ ምርምር ማእኸል ክውድብን ሰፉሕቲ ኣገልግሎታት ዝህብን ኮይኑ ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣትዩ ክዘናግዐሉ ዝኽእል መዘናግዪ እውን ክሰርሐሉ እዩ።
ወ/ሮ ኣዜብ መስፍን ናይቲ ትካል ፕሬዝዳንት ኮይነን ምምራፀን ዕላዊ ኮይኑ ይብል መለስካቸው ኣምሃ ዝለኣኾ ፀብፃብ።
XS
SM
MD
LG