ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፌስቡክ፡ ሃገራት ንትሕቲ ሰሃራ አፍሪካ ናይ ኢንተርነት አገርግሎት ክዝርግሕ'የ ይብል


Max Schrems
Max Schrems

መርበብ ሓበሬታ ፌስቡክ ምስ ናይ ፈረንሳይ መደበር ሳተላይት Eutelsat ብምትሕብባር ካብ ሰሃራ ንታሕቲ ንዝርከባ ሃገራት አፍሪቃ ናይ ኢንተርነት አገልግሎት ዝውዕል ሳተላይት ናብ ህዋ ከምዝሰድድ ገሊጹ። እዚ አብ ዝመጽእ ዓመት አገልግሎት ዝጅመር ሳተላይት ን14 ሃገራት ምዕራብ፡ምስራቕ፡ ደቡብን አፍሪቃ ክበጽሕ ተስፋ ተጌሩ’ሎ።

እዚ ሓድሽ ሳተላይት አካል ተበግሶ መርበብ ሓበሬታ Internet.org ኮይኑ ተወሳኺ ሓደ ቢልዮን ሰባት ተጠቀምቲ ኢንተርነት ንምግባር ዝዓለመ’ዩ። አብ 20 ሃገራት ተፈቲኑ’ውን ውጽኢታዊ ኮይኑ ተረኺቡ’ዩ።

“ዕላማ መርበብ ሓበሬታ ፌስቡክ ንመላእ ዓለም ምርኻብ እዩ” ዝበለ ምክትል ፕሬዝደንት መርበብ ሓበሬታ Internet.org Chris Daniels “ሳተላይት ምዝርጋሕ ድማ ነቲ ንህዝብታት አፍሪቃ ንምርካብ ዝጸንሓ ጸገም ዝፈትሕ ‘ዩ”ኢሉ።

መርበብ ሓበሬታ ፌስቡክን መደበር ሳተላይት Eutelsat ነቲ ሳተላይት ካብ ናይ እስራኤል ትካል ብምግዛእ ነፍሲ ወከፈን ንምስፋሕ ዝርጋሕ ኢንተርነትን ንግድን ብልጽግና ሰባትን ከምዝጥቀሙሉ ገሊጾም አለዉ።

ካልኦት ትካላት’ውን ብውሑድ ዋጋን ዝርጋሓን አገልግሎት ኢንተርነት ንመላእ ዓለም ንምሃብ ሓደሽቲ ፕሮጀክትታት የታአታትው አለዉ።

ብተመሳሳሊ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኤውሮጳ Safe Harbor ንዝተባህለ “ውዕል ምክልኻል ሰነድ” ተሪር ኣይኮነን ብዝብል ምኽንያት ሓደ ኦስትርያዊ ተማሃራይ ኣብ ልዕሊ ማሕበራዊ መራኸቢ ንዘቕረቦ ክሲ ዝድግፍ ውሳነ ሂቡ።

እቲ ብማክስ ሸርሚስ ዝተባሃለ ኦስትርያዊ ተማሃራይ ዝቐረበ ክሲ ‘ኣህጉራዊ ውዕል ምክልኻል’ ንሰነድ ተጠቀምቲ ፌስቡክ ግቡእ ሸፈነ ዝህብ ኣይኮነን ዝብልዩ። እቲ ተማሃራይ ንላዕለዋይ ቤር ፍርዲ አውሮጳ ኣብ ዘቅረቦ ክሲ አብ አየርላንድ ዝመደበሩ ተቆጻጸርቲ ብሕታውነት ንምስጥራዊነት ሓበሬታት ኣይተከላኸለን ብምባልዩ ከሲሱ።

ዋሽንግተንድ ዲሲን ብራስለስን ንጠለባት አውሮጳ ዘዕግብ ሓድሽ ስምምዕ ምስጥራዊነት ንምክታም አብ ምስራሕ ይርኸቡ።

XS
SM
MD
LG