ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ኤርትራ ህዝቢ አልባ ትኸውን አላ' ፕረዝደንት ፈረንሳ፣ አምባሳደር ግርማ ኣስመሮም ድማ ይነጽጉዎ


መራሕቲ 60 ሃገራት አውሮጳን አፍሪቃን ዝሳተፍሉ ዘለው ዋዕላ ማልታ ቀጺሉ ወዒሉ'ሎ።

ትማሊ መደረ ዘቅረቡ ፕረዝደንት ፈረንሳይ 'ኤርትራ ህዝቢ አልባ ትኸውን አላ' ኢሎም ኔይሮም። አምባሳደር ኤርትራ አብ ሕቡራት ሃገራት ግርማ አስመሮም ብወገኖም አብ ባይታ ዘየለ ክብሉ ነጺጎሞ።

አምባሳደር ግርማ አስመሮም ብተወሳኺ ኤርትራ ብሚኒስትር ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልዑኽ ናብቲ ዋዕላ ማልታ ከምዝለአኸትን ብዝግባእ ትሳተፍ ከምዘላን እዚ ጸገም ዓለምን ጸገም ቀርኒ አፍሪቃን ምኳኑ አሚና ብዙሕ ስጉምቲ ትወስድ አላ ምስ ብዙሓት ትካላትን ሃገራት ዓለም'ውን ብምትሕብባር ትሰርሕ'ላ እዚ ከአ ብተግባር ዝምስከር'ዩ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብን መልሲ አምባሳደር ግርማ አስመሮምን አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

መደረ ፕረዝደንት ፈረንሳ ፍራንስዋ ኦላንደ አብ ዋዕላ ማልታ

መደረ ፕረዝደንት ፈረንሳ ፍራንስዋ ኦላንደ አብ ዋዕላ ማልታ
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:58 0:00

XS
SM
MD
LG