ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እስላማዊ ዕጡቓት ማሊ ንሓንቲ ንእሽተይ ከተማ ምቁፅፃሮም ተገሊፁ


France Mali Fighting
France Mali Fighting
ንሰሜናዊ ማሊ ዝተቖፃፀሩ እስላማዊያን ዑጡቓት ናብ ኣንፈት ደቡብ ብምግስጋስ ሎማዕንቲ ሰኒ ካብ ዋና ከተማ እታ ሃገር 400 ኪሎ ሜትር ሪሒቓ ንእትርከብ ንእሽተይ ከተማ ዲያባሊ ተቖፃፂሮም።
ምንስቴር ምክልኻል ፈረንሳይ ዢን-ቨስ ሊ ድሪያን ንናይ ፈረንሳይ ቴሌቪዥን ኣብዝሃብዎ ቃል እቶም ዓመፅቲ ምስ ሰራዊት ማሊ ከቢድ ውግእ ድሕሪ ምክያዶም ንዲያባሊ ተቖፃፂሮምዋ ኣለው ኢሎም።

ኣብ ከተማ ባማኮ እትርከብ ወኪል ቪኦኤ ኣን ሉክ ከምዝገለፀቶ ወታደራዊ ሓይሊ ማሊ ተወሳኽቲ ወታደራት ናብቲ ከባቢ ምልኣኹ ገሊፃ’ላ።ኣብ ዲያባሊ ዝርከቡ እስላማዊያን ተዋጋእቲ ብዝግባእ ዝተዓጠቑ ምዃኖም’ውን ንወታደራዊ ምንጭታት ማሊ ብምጥቃስ ሓቢራ’ላ ወኪልና ኣን ሉክ።

እታ ከተማ ነፈርቲ ውግእ ፈረንሳይ ንመሰልጠኒ ካምፕታት፣ንወታደራዊ ኖቕጣታትን ናይ ኣፃዋር መኽዘናትን ደብዳብ ኣብዝፍፅማሉ ማእኸላይን ሰሜናውን እታ ሃገር ብኣንፈት ምዕራብ ትርከብ።ፈረንሳይ ሎማዕንቲ ሰኒ’ውን ደብዳብ ነፈርቲ ኣጠናኺራ ከምዝቐፀለትሉ ተፈሊጡ’ሎ።

ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ብሕቶ ፈረንሳይ ብዛዕባ ጉዳይ ማሊ ንምዝርራብ ሎሞዕንቲ ሰኒ ይእከብ ኣሎ።እቶም እስላማዊያን ዓመፅቲ ናብ ኣንፈት ደቡብ ከምዝምርሹ ምስኣጠንቀቑ ፈረንሳይ ብሕቶ መንግስቲ ማሊ ነይራ ዝሓለፈ ዓርቢ ሓይልታታ ዝለኣኸት።
ፈረንሳይ ኣንፃር እቶም ኣሸበርቲ እተካይዶ መጥቓዕቲ ከምእትቕፅለሉ’ውን ገሊፃ’ላ።
XS
SM
MD
LG