ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓድሽ ፕረዚደንት ኬንያ - ስልጣን ሎሚ ተረኪቦም


Uhuru Kenyatta
Uhuru Kenyatta
ሎሚ ኣብ ኬንያ ፕረዚደንታዊ ቃለ-መሓላ ዝፈፀሙ ኡሁሩ ኬንያታ፣ ኣብ‘ታ ሃገር ሰላም፣ሓድነትን ቁጠባዊ ምዕባለ ንክረጋገፅን ከምዝሰርሑ ገሊፆም።

ሚስተር ኬንያታ፣ኣብ‘ቲ ካብ ናይሮቢ ውፅእ ኢሉ ዝርከብ ዓለም-ለኸ ማእከል ስፖርት ሞይ፣ኣብ ዝተካየደ ስነ-ስነስርዓት ፅምብል‘ዮም ንቃለ-መሓላ ፈፂሞም።

ኣብ‘ቲ እዋን መራሕቲ ናይጀርያ፣ሩዋንዳ፣ዚምባብዌ፣ኣምባሳደራት እንግሊዝን ኣሜሪካን‘ውን ተረኺቦም ነይሮም።

ሓምሳን ሓደን ዓመት ዝዕድሚኦም ወዲ መስራታይ ኬንያ ዝኾኑ ኡሁሩ፣ ምምሕዳሮም ድሕሪ ምምቅቃል ዘስዐበ መስርሕ ምርጫ ኣብ ቁጠባዊ ምዕባለ፣ሓድነትን ሰላምን ከምዘተኩር ገሊፆም፥

”ስራሕ ሎሚ ጀሚሩ‘ሎ።ካበየናይ ማሕበረ-ሰብ ከምዝኾና ንሓተሉ ጊዜ ዘይኮነ፣ንማቀሉ ሓባራዊ ራኢ’ዩ።ኣባላት ኣየናይ ፖለቲካዊ ፓርቲ ምኻና ዘይኮነስ፣ክንፈጥሮ ዝካኣለና ሓባራዊ ሽርክና‘ዩ ዘተሓሳስበና”ኢሎም ንሶም።

ዕድመ ስልጣኖም ዛዚሞም ዝተሰናበቱ ፕረዚደንት ምዋዪ ኪባኪ፣ምልክት ስልጣን ኬንያ ንዝኾኑ ጉራዴን ቅዳሕ ሕገ-መንግስቲን ንሚስተር ኡሁሩ ኣረኪቦም‘ለው።ሚስተር ኪባኪ ኣስዒቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ“ጥርጥር የብለይን፣ሃገር ኣብ ኢድ ዘተኣማምን ሰብ ኣትያ‘ላ ኢሎም።

ኡሁሩ ኬንያታን ምክትሎም ዊልያም ሩቶን፣ብጠንቂ‘ቲ ኣብ ሕሉፍ እዋን ምርጫ ዘጓነፈ ህውከትን ቅትለትን፣ብዓለም-ለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ከምዝድለዩ ዝዝከር‘ዩ።

ኣብ እዋን‘ቲ ስነ-ስርዓት ፅምብል፣ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሙሰቨኒ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፣ህዝቢ ኬንያ ንምፍርራሕ ቤት ፍርዲ ዓለምን ንወፃእተኛ ሓይልታትን ብምንፃግ፣ድምፆም ስለዝሃቡ ንኢዶም።

“እዞም ሓይልታት‘ዚኣቶም፣ንዝደለይዎም መራሕቲ ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃ ከንብሩ፣ንዘይደለይዎም ድማ ከውግዱ‘ዮም ዝደልዩ” ኢሎም ሙሰቨኒ።

ሕገ-መንግስቲ ኬንያ ቅድሚ ክልተ ዓመት ካብ ዝፀድቅ ንዳሓር፣ንፈለማ ጊዜ ዝተመርፁ ፕረዚደንት፣ሚስተር ኡሁሩ ኬንያታ ኮይኖም‘ለው።ብመሰረት እቲ ሓድሽ ሕገ-መንግስቲ፣ፀጋታት‘ታ ሃገር ብማዕረ ንክከፋፈልን ስልጣን ናብ ታሕተዋይ ክፍሊ ሕ/ሰብ ንክወርድን ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ‘ዩ።
XS
SM
MD
LG