ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምክትል ፕረዚደንት ኣሜሪካ ኣብ ኡክረይን


JOE BIDEN
JOE BIDEN
ሩስያ ብመሰረት ኣብ‘ዚ ቀረባ ዝኣተወቶ ውዕል፣ኣብ ምብራቅ ኡክረይን ንዝተፈጥረ ውጥረት ኣብ ምንካይ ንክትሰርሕ ምክትል ፕረዚደንት ኣሜሪካ ፀዊዖም።

ኣብ ኡክረይን ድሕሪ ዝተፈጥረ ቅልውላው፣ሓደ ዝላዓለ ባዓል-ስልጣን ኣሜሪካ መገሻ ንክፍፅሙ ፈላማይ ዝኾኑ ሚስተር ጆ ባይደን፣ኣሜሪካ ትልግሶ ሓድሽ ገንዘባዊን ቴክኖሎጂካዊን ሓገዝ ገሊፆም።

”ሩስያ ንዘረባ ጠጠው ኣቢላ ግብራዊ ስጉምቲ ትወስደሉ እዋን ሎሚ‘ዩ። ክትሰርሖ ትኽእል ግብሪ ማለት‘ዩ።ደገፍቲ ሩስያ ንዝተቆፃፀርዎ ህንፃታትን ነቁጣታትን ገዲፎም ክስሕቡን፣ምሕረት ረኺቦም፣ሻቅሎቶም ብሰላማዊ ኣገባብ ዘድቅስሉ መስርሕ ምጥጣሕን ክኸውን ኣለዎ” ኢሎም ጆ ባይደን።

ኣብ ምብራቃዊ ኡክረይን ናብ ሰልፊ ዝወፁ ደገፍቲ ሩስያ፣ንሚስተር ባይደን ብዓይኒ ጥርጣረ‘ዮም ተቀቢሎምዎም።ባይደን ንመራሕቲ ክየቭ‘ምበር ንዓና ክሕግዙ ኣይመፁን በለት ሓንቲ ሪኢቶኣ ዝሃበት ሰበይቲ።

ንሳ”ናይ ኣሜሪካ ምክትል ፕረዚደንት፣ንዓና ዘይኮነ ንወሮበላታት ክየቭ ከሐግዙ’ዮም መፂኦም ዘለው”ባሃሊት‘ያ።

ዋሽንግተን ግና ሞስኮ ነቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ጀኔቫ ዝኣተወቶ ቃል ክትፍፅም ትፅውዕ።ሩስያ ብወገና ኣብ ቅልውላው ኡክረይን ኢድ የብለይን ባሃሊት‘ያ።
XS
SM
MD
LG