ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሜድትራኒያን ክሳብ 900 ሰባት ክጠልቑ ዝገበረ መራሒ ጀልባ ምስ ካልእቲ መርከብ ኣላቲሙዋ ኢሎም ዓቀብቲ ሕጊ

Rescuers help children disembark in the Sicilian harbor of Pozzallo, Italy, April 20, 2015. About 100 migrants, including 28 children, were rescued on Sunday by a merchant vessel in the Sicilian Strait while they were trying to cross.

ስደተኛታት ፅዒና ኣብ ሜድትራኒያ ዝተገልበጠት ጀልባ ዘዋሪኣ ንዕኣ ንምድሓን ናብኣ ምስ ዝተፀግዐት ናይ ንግዲ መርከብ ብጌጋ ስለዘላተማ እዩ ኢሎም ዓቀብቲ ሕጊ ጣሊያን ሎማዕንቲ ሰሉስ።

ካብ ማእኸላይ ምብራቕን ኣፍሪካን ካብ ድኽነትን ኲናትን ብምህዳም ናብ ኣውሮፓ ሓደገኛ ጉዕዞ ክገብሩ ኣብ ወሰን ማይ ሊቢያ ካብ ዝተገልበጠት ጀልባ ክሳብ 900 ስደተኛታት ጠሊቖም ኣለው።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል ስደተኛታት ብህይወት ምስ ዝተረፉ ሰባት ኣብ ዘካየዶ ቃለ ምልልስ ኣስታት 350 ኤርትራዊያን ኣብታ መርከብ ምንባሮም ይኣምን።ከምኡ እውን ካብ ሶሪያ፣ ሱማሊያ፣ ሲየራሊዮን፣ ማሊ፣ሰኔጋል፣ጋምቢያን፣ኣይቨሪ ኮስትን ኢትዮጵያን ከምዝርከቡዎም ገሊፁ’ሎ UNHCR።

ዛጊድ ናይ 28 ሰባት ኣስከሬን ጥራሕ እዩ ተረኺቡ ዘሎ።

ዓቀብቲ ሕጊ ናይ ሲሲሊ ከተማ ካታኒያ መራሒ ናይታ ብሓደገኛ ኩነታት ሰባት ዝፅዓነት ጀልባ ቅድሚ ምግልባጣ ናብ ናይ ፖርቹጋል ናይ ፅዕነት መርከብ ከምዘፅግዓ ሓቢሮም።

27 ዝዕድሚኡ ቱኒዝያዊ መራሒ እታ ጀልባ መሓመድ ዓሊ ማሊክ እታ ጀልባ ክትግልበጥ፣ንብዙሓት ሰባት ብምቕታልን ንዘይሕጋዊያን ስደተኛታት ብምሕላፍን ተኸሲሱ ኣብ ቁፅፅር ውዒሉ’ሎ።

XS
SM
MD
LG