ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ሰላሳ ዜጋታተይ ኣብ ሊብያ ብጉጅለ እስላማዊያን ተቀቲሎምኒ' ትብል ኢትዮጵያ


ቅትለት ኢትዮጵያዊያን 'ብጉጅለ መንግስቲ እስላማዊያን' ኣብ ሊብያ
ቅትለት ኢትዮጵያዊያን 'ብጉጅለ መንግስቲ እስላማዊያን' ኣብ ሊብያ

‘ትማሊ ሰንበት ኣብ ሊብያ ዝተፈፀመ ቅትለት ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣዳም ዝተፈፀመ ነውራምን ኣረመኔያዊን ግብሪ ስለዝኾነ ብፅኑዕ ዝኹነን’ዩ’ ይብል ማሕበረ-ሰብ ዓለም።

ቢሮ ኮምኒኬሽን ኢትዮጵያ ሎሚ ከምዝሓበሮ ‘እቲ ብቪድዮ ዝተዘርገሐ ስእሊ ጉጅለ ፈጠራ ራዕዲ ተፃርዩ እቶም ግዳያት ኢትዮጵያዊያን ምኻኖም ተረጋጊፁ’ሎ’ ይብል።

እቲ መንግስታዊ መግለፂ ወሲኹ ብጠንቂ’ቲ ቅትለት መሪር ሓዘን ከምዝተሰመዖን ንቤተሰብ ሕዙናት ፅንዓት ይሃብኩም ኢሉ’ሎ።

መንግስቲ ኣሜሪካ ብወገኑ ‘ጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ፣ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያዊያን ዝወሰዶ ስጉምቲ ጨካንን ኣረሜናዊን’ ክብል ኮኒንዎ።

ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታ፣ኣብ ሕ/ሃ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ነቲ ግፍዒ ኮኒኖምዎ። ከምኡውን ኣማኻሪ ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ኣቶ ጌታቸው ረዳ 'ግዳያት ጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ፣ኢትዮጵያዊያን ወይ ክርስትያን ጥራሕ ኣይኮኑን።ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣዳም ዝተፈፀመ ግፍዒ'ዩ' ኢሎም።

please wait

No media source currently available

0:00 0:08:08 0:00

XS
SM
MD
LG