ዋሽንግተን —
እቲ ምስሕሓብ ካበይ ናበይ ንዝብል ነጥቢ ዝገምገመ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ተቀሪቡ’ሎ። ካብ መቀለ ኣቶ መሓሪ ዮሃንስ ካብ ኣለክሳንድርያ ቨርጂንያ ኣቶ ኢብራሂም ዓብደልኑርን’ዮም።
ኣቶ መሓሪን ኣቶ ኢብራሂምን ‘ጠንቂ ቅልውላው ክልቲአን ሃገራት መን ዞባዊ ጎብለል ይኹን? ዝብል ከምዝኾነን ስዑድ ዓረብ ንሱኒ ኣመንቲ እስልምና ኢራን ድማ ንሻዓ ኣመንቲ እስልምና ብምውዳብን ምጥንኻርን እቲ ምስሕሓብ ክቅፅላሉ’የን ይብሉ።
እንተኾነ እቲ ምስሕሓብ ናብ ግጭት ኣየምርሕን ዝበሉ እቶም ኣጋይሽ ኢራንን ዒራቅን ኣብ ኢድ ኣዙር ኹናት ክፅመዳ ከምዝኽእላ’ውን ይኣምኑ።