ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'በዝሒ ኣብ መንገዲ ዝሞቱ ስደተኛታት ይንህር’ሎ!' - IOM


ወትሃደራት ጣልያን ንህይወት ስደተኛታት የድሕኑ’ለው
ወትሃደራት ጣልያን ንህይወት ስደተኛታት የድሕኑ’ለው

ዓለም ንመዓልቲ ዓለም-ለኸ ስደተኛታት ኣብ ዝዝክረሉ ዕለት፡ IOM ህይወት ስደተኛታት ንምድሓን ህፁፅ ስጉምቲ ንክወስድን ኣስገርቲ ነቶም ዝተቃልዑን ዝቀበፁን ንከይብለፁሎምን ክንክላኸለሎምን ይግባእ ይብል።

ኣብ ዙርያ ዓለም ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 14 ዓመታት ጥራሕ ኣርባዓ ሽሕ ስደተኛታት ዶብ ኣብ ዝሰግሩሉ ስዓት ሞይቶም’ለው።ብሕልፊ እዛ ትዛዘም ዘላ ዓመት ኣውሮጳ እታ ኣዝያ ቀታሊት ዓመት’ያ።

ሲሶ ካብ’ቶም ግዳያት ኣብ ባሕሪ ሜድትራንያን’ዮም ሞይቶም። ዓለም-ለኸ ማሕበር ስደተኛታት ካብ’ዞም ግዳያት እቶም 3 ሽሕ በቶም ኣዝየን ዝደኸማ ጀላቡ ኣስገርቲ ናብ ኣውሮጳ እናሰገሩ ከለው’ዩ።

ከምእምነት IOM ኣብ ልዕሊ ኣስገርቲ ነጋዶን ተሪርን ተኸታታሊን ስጉምታት ምውሳድ ካልኦት ኣሰሮም ንከይስዕቡ ሓጋዚ’ዩ።ኣብ ኣውሮጵ፡ሰሜን ኣሜሪካን ኣውስትራልያን ገለ ከተማታት ንኣዝዮም ብዙሓት ስደተኛታት ክቅበላ ከምዝተገደዳ ዝዝከር’ዩ።

IOM ስደት ዘይተርፍ’ዩ ይብል።ኣገዳሲን ረባሒን ዝኾነሉን ጊዜ’ውን ኣሎ።ብሕልፊ ዜጋታት ገለ ሃገራት ብዕድመ ክደፍኡን ሰራሕተኛ ከድልይን ከሎ።ስደት ብግቡእ ምስ ዝተሓዝ ንሃገራት ምንጪ ስደትን ተቀበልቲን ማዕረ ረባሓይ’ዩ።ንኣብነት ካብ ኣብ ስደት ዝነብሩ ሰባት ናብ ቤተሰቦም ዝተላኣኸ መተን ገንዘብ ኣስታት 435 ቢልዮን ዶላር ከምዝበፅሕ እቲ ዜና ይሕብር።

please wait

No media source currently available

0:00 0:02:44 0:00

XS
SM
MD
LG