ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለምለኸ ጉባኤ ፋይናንስ ንልምዓት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ


ኣብ ዝቕፅሉ 15 ዓመታት ክስርሑ ንዝተሓንፀፁ ሸቶታት ልምዓት ገንዘብ ንምትእኽኻብ ዝሕግዝ እዩ ዝተብሃለሉ ‘’ዓለምለኸ ጉባኤ ፋይናንስ ንልምዓት’’ ኣብ ዝቕፅል ሰሙናት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክጅመር እዩ።እቲ ጉባኤ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ንዝሓንፀፅኦም ነናይባዕለን ሸቶታት ልምዓት ዝኸውን ፍልፍል ገንዘብ ንምትእኻኽ ዘኽእል ክኸውን እውንተስፋ ተገይርሉሎ።

ካብ ዝቕፅል ዓመት ጀሚሩ ግብራዊ ንዝኸውን ካልኣይ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ሸቶታት ዕብየትን ትራንስፎርመሽንን ገንዘብ ንምትእኽኻብ ክጠቕመና እዩ ኢሎም ኣለው ወሃቢ ቃል ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ።

ካብ 6 ክሳብ 9 ሓምለ 2007 ዓ/ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝካየድ ሳልሳይ ዓለምለኸ ጉባኤ ፋይናንስ ንልምዓት መራሕቲ ዝማዕበላን ኣብ ምምዕባል ናይ ዝርከባን ሃገራት፣ ምንስትርታት ፋይናንስን ወፃእን፣ሓለፍቲ ዓለምለኸን ኣህጉራዊን ትካላት፣ ሰብሃፍቲ፣ ምሁራንን ነጋዶን ብድምር ልዕሊ 5,000 ተሳተፍቲ ክርከቡ ትፅቢት ይግበር።ዝርዝሩ ኣብዚ ይስምዑ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:04:28 0:00

XS
SM
MD
LG