ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመንቲ ክርስቲያን ንዓርቡ ስቕለት ዘኪሮምዋ ውዒሎም


An altar boy looks up at a crucifix he is holding during a special Good Friday mass at a church in Colombo, April 18, 2014.
An altar boy looks up at a crucifix he is holding during a special Good Friday mass at a church in Colombo, April 18, 2014.
ኣመንቲ ክርስቲያን ኣብ ዙሪያ ዓለም እየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቐለሉ ዓርቢ ዝቕለት ዘኪሮም ውዒሎም።
ኣብታ ቅድስት መሬት ኣብ ኣረጊት ከተማ እየሩሳሌም ኣመንቲ ክርስቲያን ንስቕለት ብፀሎትን ጉዕዞን ዘኪሮምዎ ኣለው።

ኣመንቲ ናይ ዕንጨይቲ መስቀል ብምሽካም እየሱስ ክርስቶስ ንኽስቀል ተወሲዱሉ ተባሂሉ ኣብ ዝእመን መንገዲ ብእግሮም ብምጉዓዝ ኣብታ ጥንታዊ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ስፐልቸር በፂሖም።
እታ ቤተ ክርስቲያን እየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቐለሉ፣ዝተቐበረሉን ዝተስአሉን ተባሂሉ ብያታ ኣብዝፍለጥ ቦታ እያ ተሃኒፃ።

ኣብ ፊሊፒንስ እውን ውፉያት ልክዕ ከም እየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዕንጨይቲ ብምስማር ተወጊኦም ተሰቒሎም ህዝቢ ክሪኦም ውዒሉ’ሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ እውን ተዘኪሩ ውዒሉ’ሎ።ፓትሪያሪክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክስርስቲታን ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ ብዓል ፋሲካ ብፍቕርን ንካልኦት ብምሕሳብን ክነኽብሮ ይግባእ ኢሎም።

እቶም ፓትሪያሪክ ንብዓል ፋሲካ ምኽንያት ብምግባር ኣብዝሃብዎ ቡራኬን ዘሕለፉዎ መልእኽትን ብዛዕባ ህይወት፣ሞትን ትንሳኤን ካብ መፅሓፍ ቅዱስ ብምጥቃስ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ብዓል ፋሲካ ክኽበር ከሎ ብፍቕርን ንኻልኦት እውን ብምሕሳብን ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።ፍቕሪ ፍፁም ዝኸውን ንእግዚኣብሄር እንትንኽተል፣ንኩሉ ወዲ ሰብ ምስ እንፎቱን እንነብረላ መሬት ኣብ ውሽጣ ዝሓዘቶም ፍጥረታት ክንሕብሕቦም ከለናን እዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ እውን ንሕና ክርስቲያን ንእግዛኣብሄር ዘለና ፍቕሪ ንምግላፅ ኣብ መዋእለ ፀሙ ብኣምልኮ፣ብፆም፣ብፀሎት፣ብምፅዋትን ብስግደትን ክንገልፅ ከም ዝፀናሕና ኣብ ናይ ፋሲካ ብዓልና እውን እግዝኣብሄር ዝሃበና በረኸት ንዝተፀገሙ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብምክፋል ንወገናትና ዘልና ፍቕሪ ክንገልፅ ይግባእ እዮም ዝበሉ ኣቡነ ማቲያስ።

ሎማዕንቲ ዓርቢ ስቕለት ኣመንቲ ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነ ስርዓታት ኣኽቢሮም ውዒሎም ኣለው።ዝቕፅል ሰንበት ንዝኽበር ብዓል ፋሲካ እውን ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ ።
XS
SM
MD
LG