ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ልምዓት ቅንጥሻራ ኣብ ትግራይ!


ቅንጥሻራ
ቅንጥሻራ

ኣብ ትግራይ ብሓይሉ ኣብርሃ ዝተበሃለ ተመራማሪ ኣብ ዘጣየሾ ማእኸል ቤተ ምርምር ስነ ህይወት ዘርኢ ቅንጥሻራ ኣፍርዩ ናብ ህዝቢ የቕርብ’ሎ። ቀንዲ ዋኒኑ ድማ ካብ ካልኦት ሃገራት ናብ ኢትዮጵያ ዝኣቱ ዝነበረ ዘርኢ ቅንጥሻራ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ብቐረባ ንምርካብ ዝዓለመ እዩ።

እቲ ማእኸል “ቅንጥሻራ ንሃፍትን ጥዕናን” ዝብል መራሒ ቃል ብምጥቃም ብፍላይ ናይ ከተማ ሕርሻ ክካየድ ይሕግዝ’ሎ። ኣብ ውሱን ቦታ ርቡሕ እሞ ድማ ኣብ ሓፂር እዋን ምህርቲ ንምርካብ ይካኣል።

በመንፅር ጥዕና ክረአ እንተሎ ቅንጥሻራ ልዑል ሃናፂ ትሕዝቶ ዘለዎ ዓይነት ተኽሊ እዩ፤ ካብ ‘ኮሎስትሮል’ ናፃ ምዃኑ ልዕሊ ስጋ ይምረፅ።

ተኽሊ ቅንጥሻራ ንምግብነት ብዙሕ ንዘይለመደ ክፋል ሕብረተ ሰብ ንምልላይ ብፍላይ ነቒፁን ተጣሒኑን ብመልክዕ ምስ ሽሮን ካልኦትን መቃመሚ ከምኡ እውን ናፅ ጾም ማክያቶ ኰይኑ ይቐርብ ምህላዉ ድማ ኣይተ ብሓይሉ ይገልፅ።

ውሕስና ምግብ ንምርግራፅ ኣብ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ተኽሊ ቅንጥሻራ ኣማራፂ ኰይኑ ንኽልመድ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ትግራይ ንልዕሊ 10 ሽሕ ኣንስትዮ ስልጠና ንምሃብ ተተሊሙ’ሎ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:06:56 0:00

XS
SM
MD
LG