ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ጋምቤላ ዝተቐተለ ኣሜሪካዊያ ተወላዲ ኣኝዋክ ኦሞት ኡዶል ምዃኑ ነበርቲ እቲ ክልል ኣፍሊጦም


Ethiopia Africa Food Production
Ethiopia Africa Food Production
ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ክልል ጋምቤላ ጣቢያ ጎግ ልዕሊ 12 ሰባት ዝተቐተልሉ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ሓይልታት ፀጥታ እቲ ከባቢን ብዝወሰድዎ ስጉምቲ ዝተቐተለ ውልቀሰብ ኦሞት ኦዶል ዝተብሃለ 34 ዓመት ዝዕድሚኡ ተወላዲ ኣኝዋክ ከምዝኾነ ነበርቲ እቲ ከባቢ ንቪኦኤ ገሊፆም።

ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስን ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ናይ ኣሜሪካ ኤምባሲን ግን ሓደ ኣሜሪካዊ ኣብ ጋምቤላ ከምዝተቐተለ ካብ ምግላፅ ወፃኢ ዝሃብዎ ሪኢቶ የለን።

ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ምስ ሓይልታት ፀጥታ ክልል ጋምቤላ ብምትሕብባር ጥቓ ጣቢያ ጎግ ኣብ ዝርከብ ሩባ ብዘካየድዎ መጥቓዕቲ ልዕሊ 12 ሰባት ምማቶም መሰኻኽር ዓይንን ትካላት ማሕበረሰብን እንትገልፁ ናይቲ ክልል ፕሬዝዳንት ኦሞት ኦባንግ ኦሎም ንቪኦኤ ኣብዝሃብዎ ሪኢቶ ኣሉ ኢሎም።

ጋዜጣ ሪፖርተር ዘዘራረበቶም ምኽትል ፕሬዝዳንት ክልል ጋምቤላ ጋት ሉዋክ ቱት ግን ሓይልታት ፀጥታ ካብ ህዝቢ ብዝበፅሖ ጥቆማ መራሒ ምንቅስቓስ ግንባር ናይ ጋምቤላ ናይሎቲክ እዩ ዝተብሃለ ኦሞት ኡዶል ተቐቲሉ’ሎ ኢሎም።

ንምንፃል ናይ ዝንወሳቐስ ዝተዓጠቐ ተቓዋሚ መራሒ ከምዝኾነን ቅድሚ ሎሚ ኣብቲ ክልል ምስ ዝተቐተሉ 29 ሰባት ብዝተኣሳሰረ ከምዝጥርጠርን እቶም ምኽትል ምምሕዳር ገሊፆም።

ንኦሞት ኡዶል ብቐረባ ንፈልጦ ኢና ዝበሉ ሰባት ግን ኦሞት መራሒ ግንባር ምንቅስቓስ ናይሎቲክ ከምዘይኮነን የግዳስ ኣብ ጋምቤላ ንዝካየድ ምክራይ መሬት ከምዝቃወምን ይገልፁ።
ኦሞት ኡዶል ዕጡቕ ወይ ሰለማዊ ሰብ ንምንባሩ ብወገና ንምርግጋፅ ኣይክኣልናን።
ኦሞት ኣኮይ እዩ ዝበለና ኣብዚ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ክፍለ ግዝኣት ማሳቹስተስ ዝነብር ተወላዲ ኣኝዋክ ኣባቡቲ ኦጋላ ኦቻን ምስኡሞት ኦዶሎ ሓቢሩ ይነብር ከምዝነበረ ብምግላፅ ናብ ኢትዮጵያ ዝኸደሉ ምኽንያት ስድራ ንምርኣይ ብፍልያ ድማ ንወላዲት ኣዲኡ ቅድሚ ምማታ ንምርኣይ እዩ ይብል።

ኣብ ዋሽንገተን ዲሲን ከባቢኣን ዝቕመጡ ተወለድቲ እቲ ከባቢ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ከምዝፀሓፍዎ ኦሞት ኡዶል ኡጁሉ ኣብ 1978 ኣ/ፈ ከምዝተወለደ ካብ 1997 ክሳብ 2000 ዓ/ም ኣብ ሃይትስቪል ሜሪላንፍድ ከምዝተቐመጠ ካብ 2000 ዓ/ም ጀሚሩ ድማ ነባሪ ዋሽንገትን ዲሲ ከዝነበረ እዩ።
ናይቲ ክልል ፕሬዝዳንት ኣብቲ ጉዳይ ንቪኦኤ መብርሂ ንምሃብ ቃል እንተኣተው’ውን ትማልን ሎማዕንትን ብተኸታታሊ ፃዕሪ ገይርና ተወሳኺ ቆፀሮ ብምሃብ ሪኢቱኦም ኣይሃቡናን።
እቲ ኣሜሪካዊ ከመይ ከምዝተቐተለ ንኽገልፁ ዝተሓተቱ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲን ዩናይትድ ስቴትስ ሪኢቶ ኣይሃቡን።
XS
SM
MD
LG