ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ናይ ፅባሕ ግጥም ኢትዮዽያ ክትዕወት‘ያ ይብል ኣይናለም ሃይለ


ኣይናለም ሃይለ
ኣይናለም ሃይለ
ሕርይቲ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮዽያ ኣብ ዘተኣማምን ኩነታት ከምትርከብ ኣብ መስመር ተኸላኻሊ‘ታ ጋንታ ብቀዋምነት ዝስለፍ ኣይናለም ሃይለ ገሊፁ።

ንሱ ካብ‘ቲ ፅባሕ እታ ጋንታ ወሳናይ ግጥም ተካይደሉ ከተማ ካላባር ኮይኑ ንቪኦኤ ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መሕትት ብዘይካ ደጉ ደበበ ኩሎም ኣባላት እታ ጋንታ ኣብ ጥዑይ ኩነታት ኣለና።ፅባሕ ንዝካየድ ግጥም ድማ ብልዑል ሃንቀውታ ንፅበ ኣለና ኢሉ።

ብዛዕባ ዝፅበይዎ ውፅኢት ተሓቲቱ፣ነገር ኩዕሶ ኮይኑ ሰለስተ ኣማራፂታት ኣሎ ምስ በለ ብወገኑ ግና ጋንታ ኢትዮዽያ ክልተ ንባዶ ክትስዕር‘ያ ኢሉ።

ክልቲኤን ጋንታታት ብናይ ዋሽንግተን ዲሲ ኣቆፃፅራ ሰዓት 9:40 ናይ ንጉሆ፣ብናይ ኢትዮዽያ ሰዓት ድማ 10:40 ኣጋምሸት‘ዩ ክካየድ።ጋንታ ኢትዮዽያ ናብ ብራዚል ክትሓልፍ ብክልተ ሸቶታት ብልጫ ክትዕወት ኣለዋ።ክልተ ንሓደ እንተስዒራ ድማ ናብ ተወሳኺ ሰላሳ ደቃይቅ፣ካብኡ ሓሉፎም ብፍፁም ቅላዕ መቅፃዕቲ ትሓልፍ ጋንታ ክንፀር ኣለዎ።
ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:39 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG