ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መስርሕ ሃገራዊ መረፃ ኢትዮዽያ 2007 (2014) ጀሚሩ


ETHIOPIA ELECTION
ETHIOPIA ELECTION

ሎም-ዘበን ኣብ ኢትዮዽያ ንዝሳለጥ ሃገራዊ መረፃ ዘሐግዝ መስርሕ ምቅባል ምልክት መወዳደሪ ንሕፁያት ምውሃብ ከምዝጅምር ቦርድ ምርጫ‘ታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ኣቶ ነጋ ዱፊሳ ሓላፊ ቤ/ፅሕፈት ቦርድ ምርጫን ዋና ፀሓፊ’ቲ ቦርድን‘ዮም ንኣቀባሊ ቪኦኤ ክዛረቡ ከለው፣ዝወዳደሩ ሕፁያት ምልክት መወዳደሪ ንክቅበሉ ምኽኣል ማለት መስርሕ መረፃ ተጀሚሩ‘ሎ ማለት እዩ ኢሎም።

እቶም ሓላፊ ኣብ ዘረበኦም፣ኣብ ኢትዮዽያ ክሳብ ሰብዓን ሓሙሽተን ሕጋዊ ፓርቲታት ከምዝንቀሳቀሱን ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት ኣስታት 22 ፓርቲታት መወዳደሪ ምልክታት ከምዝወሰዱ ጠቂሶም።ምልክት መወዳደሪ ዝተቀበለ ኣብ‘ቲ መረፃ ክሳተፍ‘ዩ ማለት ከምዘይኮነ‘ውን ገሊፆም።

ገለ ፖለቲካዊ ፓርቲታት‘ታ ሃገር መወዳደሪ ባይታ ኢትዮዽያ ንኩሉ ምቹእ ኣይኮነን‘ሞ ክንዘራረብ ኣለና ከምዝበሉ ዝጠቀሰ እክስንድር ፍሬው፣እቲ ሕቶ ኣበይ በፅሐ? ክብል ንዘቅረቦ ሕቶ ”ፖለቲካዊ ፓርቲታት ዘቅረብዎ ጠለባት ሓደ ብሓደ ዝምርመረሉ ኩነታት ስለዘሎ ዛጊድ ዘጓነፈና ፀገም የለን ምባል ይካኣል” ዝብል መልሲ ሂቦም።

ብመሰረት ቦርድ መረፃ ኢትዮዽያ ዘውፀኦ ሰሌዳ፣ምዝገባ መረፅቲ ባሕቲ ጥሪ ክጅምር‘ዩ።ሸውዓተ ለካቲት ድማ ወፍሪ ምረፁኒ።ስለምንታይ መረፅቲ ድሕሪ ምጅማር ወፍሪ ዘይካየድ ንዝብል ሕቶ፣ኣቶ ነጋ ክምልሱ ከለው፣ናብ‘ዚ ውሳነ‘ዚ ዝተበፅሐሉ ሓደ ምኽንያት ብመሰረት እቶም ፖለቲካዊ ፓርቲታት ዘቅረብዎ ሕቶ‘ዩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG