ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ እስክንድርን ኣንዱኣለምን ንዘቕረብዎ ይግባይ ነፂጉዎ


Ethiopian columnist Eskinder Nega was charged with being a dangerous individual bent on violent revolution. He is serving 18 years in prison. (Eskinder Nega / CPJ photo illustration)
Ethiopian columnist Eskinder Nega was charged with being a dangerous individual bent on violent revolution. He is serving 18 years in prison. (Eskinder Nega / CPJ photo illustration)
ናይ ኢትዮጵያ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ፌደራል ተኣሲሮም ዝርከቡ ጋዜጠኛ እስክንድር ነጋን ኣባል ተቓዋሚ ፓርቲ ኣንዱኣለም ኣራጌን ንዘቕረብዎ ናይ ይግባይ ጥራዓን ሎማዕንቲ ሓሙስ ኣብዝወዓለ መጋባእያ ነፂጉዎ።ክልቲኦም ብቤት ፍርዲ ፌደራል ንዝተውሃቦም ናይ 18 ዓመትን ዕድመ ልክዕን ማእሰርቲ ኣፅኒዑዎ’ሎ።

እቲ ቤት ፍርዲ መራሕቲ ናይ ሽብር ውድብ ነይሮም ንዝብል ኽሲ ውዱቕ እንተገበሮ እውን ኣብቲ ፍርዲ ዘምፅኦ ለውጢ የለን።

ናይ ኣቶ ኣንዱኣለም ኣራጌ ጠበቓ ኣቶ ኣበበ ጉታ ብቶም ዳያኑ ዝተውሃበ ፍርዲ ኣየእመነንን ኢሎም።

ትርጉም እቲ ሕጊ ንፁር እዩ፤ግልፂ ዘይኮኑ መርትዖታት እንተቐሪቦም እቲ ቤት ፍርዲ ንቶም ተኸሰስቲ ዝጥዕም ፍርዲ ይውስን እዩ ዝብል ኢሎም።’’እንተኾነ በዚ ኣገባብ ኣይተተርጎመን።ዝኾነ ይኹን ናይ ሽብር ተግባር ኣይተፈፀመን።’’

ናይ እስክንድርን ኣንዱኣለምን ኣዕርኽቲ፣ኣባልት ስድራን መሳርሕትን እቲ ይግባይ ምስተነፀገ እናነብዑ ነይሮም ካብቲ ቤት ፍርዲ ዝወፁ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ብሽብር ካብዝተኸሰሱ 24 ሰባት እስክንድርን ኣንዱኣለምን ክልተ እዮም።ኣባል ተቓዋሚ ናይ ዝኾኑ ኣቶ ክንፈ ሚካኤል ተዋሂቡዎም ዝነበረ ናይ 25 ዓመታት ማእሰርቲ ናብ 16 ዓመታት ትሒቱሎም ኣሎ።

ጠበቓ ኣበበ ድሕሪ ሕዚ ሓደ ዕድል ከምዘለዎምን እቲ ቤት ፍርዲ ካብ ዝቐረቡ ኽስታት ነቲ ሓደ ስለዝወደቖ እቶም ተኸሰስቲ እንድሕር ፍቓደኛታት ኮይኖም ንሰበር ሰማዒ ይግባይ ከምዝበሉን ገሊፆም።

ውሳነ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ዝውሃብ ዘሎ ቅድሚ ሓደ ማዕልቲ ዕለት ነፃመት ፕሬስ ዓለም እዩ።ናይዚ ዓመት ናይ ዩኒስኮ ሽልማት ነፃነት ፕሬስ ብሽብር ተኸሲሳ ንዝትኣሰረት ኢትዮጵያዊት ጋዜጠኛ ሪእዮት ኣለም ክውሃብ እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ እቲ ፍርዲ ነቲ ኣዝዩ ከቢድ ናይ ሽብር ገበን ዋጋ ዘስአነ፣ፖለቲካዊ መበገሲ ንዘለዎ ፍርዲ ዘፅድቐን ኢትዮጵያ ኣብ ዓለምለኸ ዘለዋ ደርጃ ዘንእሰን እዩ ክብሉ ንጋዜጠኛታት ናይ ዝሕለቕ ትካል CPJ ናይ ኣፍሪካ ጉዳይ ኣተሓባባሪ መሓመድ ኪየታ ገሊፆም።

ከም ኣባል ናይ ሕቡራት መንግስታት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ንዓለምለኸ ሕግን ንናይ ባዕላ ሕገ መንግስትን ተገዚኣ ንእስክንድር ነጋ ብዘይ ቅድመ ኩነት ንኽትፈትሖ ፀዊዖም ኣለው።ናይ እስክንድርን ናይ ካልኦት ጋዜጠኛታትን ፍርዲ ንናይ ዜጋታቱ ሪኢቶ ናይ ዝፈርሕ ስርዓት መለለዪ ምልክት እዩ ኢሎም ብምውሳኽ መሓመድ ኬይታ።
XS
SM
MD
LG