ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮዽያ ንሰለስተ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ኪኢላታት ኢቦላ ክትልእኽ‘ያ


Ebola patient
Ebola patient

ኢትዮዽያ ናብ ብኢቦላ ይሳቀያ ዘለዋ ሰለስተ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ 210 ኪኢላታት ሕክምና ንምልኣኽን ፍርቂ ሚልዮን ዶላር ንምልጋስን ወሲና።

ዶ/ር ከሰተ ብርሃን ኣድማሱ ምንስትር ጥዕና‘ታ ሃገር‘ዮም ሎሚ ክዛረቡ ከለው፣ ንጉጅለታት‘ታ ኮሚቴ ኣብ ክልተ ከፊልካ ንምልኣኽ ተመዲቡ‘ሎ ኢሎም።

መንግስቲ ኪኢላታት ናብ‘ዚ ዞባ ሓካይም ንምልኣኽ ከምዝወሰነን ፈቃደኛታት እንተሃልይዎም ድሕሪ ምሕታቱ ብርክት ዝበሉ ኪኢላታት ሕቶ ከምዘቅረቡ‘ውን ዶ/ር ከሰተብርሃን ገሊፆም።

ዶ/ር ካኖክ ስዲኬ ኣብ ሕ/ሃ ሓላፊ ማሕበራዊ ጉዳያት ብወገኖም ኣብ‘ቲ እዋን ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፣ኢትዮዽያ ኣብ ህንፀት ሰራዊት ጥዕና ዝሓዘቶ ሓያል ተመክሮ ተጠቂማ እቶም ትልእኾም ዝናኣድ ስራሕ ከምዝሰርሑ ዘለዎም እምነት ገሊፆም ንመንግስቲን ህዝቢን ኢትዮዽያ‘ውን ኣመስጊኖም።

XS
SM
MD
LG