ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፀረ-ግብረሰዶማዊነት ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝካየድ ተገሊፁ


Ethiopians participating in anti-government demonstration in capital city Addis Ababa, June 2, 2013. (Marthe van der Wolfe/VOA)
Ethiopians participating in anti-government demonstration in capital city Addis Ababa, June 2, 2013. (Marthe van der Wolfe/VOA)
ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን ማለት እውን 18 ሚያዝያ 2006 ዓ/ ንናይ ተመሳሳሊ ፆታዊ ርክብ ዝቃወን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዘተሓባብርዎ ናይ ኣዲስ ኣበባ ናይ መንእሰያት ፎረምን ማህበረ-ወይንየ ኣቡነ-ተክለሃይማኖትን ብዝብል ሽም ዝፍለጡ ክልተ ማሕበራት እዮም።

ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ዝተውሃቦም ፍቓድ እውን ዕላማ እቲ ሰልፊ ሓደሽቲ ዝመፁ ባህልታትን ግብረ-ሰዶማዊነትን ንምክልኻል ምዃኑ ይገልፅ።

ቅድሚ ሎሚ ነዚ ዝምልከት መልእኽቲ ዝሓዘ ቪሲዲ ከምዘሐተመ ዝገለፀ ኣቦ መንበር ማህበረ-ወይንየ ኣቡነ-ተክልሃይማኖት መምህር ደረጀ ነጋሽ እዚ ጉዳይ እዚ ሃይማኖቱ ብዘየገድስ ንኹሉ ኢትዮጵያዊ ዝምልከት እዩ ኢሉ።

ህዝቢ ግንዛበ ዝረኽበሉ ካሊእ መንገዲ ሰላማዊ ሰልፊ ብምዃኑ ምስ ናይ ኣዲስ ኣበባ መናእሰይ ፎሮም ብምዃን ሓባራዊ ምንቅስቓስ ይግበር ከምዘሎ ኣፍሊጡ’ሎ።

እቲ ሰልፊ ብኽልቲኦም ማሕበራት ዋላ እንተተዳለወ እውን ዕላምኡ ናይ ብዙሓት ኢትዮጵያዊያን ደገፍ ከምዘለዎ መምህር ደረጀ ይገልፅ።ህዝቢ ኢትዮጵያ ንግብረ-ሰዶም ዝቃወም ህዝቢ እዩ፤ካብ ኡጋንዳ ብዝለዓለ ኢትዮጵያ እያ ትቃወሞ ምስ በለ ኣስዒቡ ‘’ኣብ መዳይ ይማኖት፣ፖለቲካ፣ጥዕና ብሓፈሻ ብኹሉ ነገር ጠንቂ ስለዝኾነ ህዝቢ ኢትዮጵያ ነቲ ሰልፊ ዝድግፎ እዩ’’ኢሉ።

መሰል ገደብ ስለዘለዎ ርክብ ተመሳሳሊ ፆታ ሰብኣዊ መሰል ኣይኮነን ሕግታት ክወፁ ከለው ሃገራዊ ወድዓዊ ኩነታት፣ሃይማኖትን ባህልን ኣብ ግምት ኣትዮም እዮም ዝወፁ፤ናይ ኢትዮጵያ ባህሊ ድማ ኣሽንዃይዶ ነዚ፣ሰባት ብግልፂ ክሰዓዐሙ እውን ኣይፈቅድን ኢሉ።

ብዛዕባ ክመፅእ ዝኽእል ፅዕነቶ ምዕራባዊያን እንትዛረብ እውን ‘’ምዕራባዊያን ነዚ እኩይ ተግባር፣ክፉእ ተግባር፣ንትውልዲ ዘህልቅ ተግባር፣ወለዶ ንከይቕፅል ዝገብር ተግባር ብሰበብ ረድኤት ንምስፍሕፋሕ ክሰርሑ እዮም።ንሕና ግን ብዝኾነ ይኹን መልክዑ ክንቕበሎ ኣይግባእን’’ኢሉ መምህር ደረጀ።

ናይ ኢትዮጵያ መቕፅዒ ሕጊ ገበነኛ ዓንቀፅ 629 ተግባር ግብረ-ሰዶም ቀላል ማእሰርቲ ዘቕፅዕ ገበን እዩ ከምዝብል ዝገለፀ መምህር ደረጀ ሓደ ቀሊል ናይ ስርቂ ተግባር ዝፈፀመ ሰብን ንትውልዲ ዘጥፍአ ንዝበሎ ተግባር ግብረ ሰዶምን ብማዕረ ክርአዩ የብሎም ኢሉ።እቲ ሕጊ ኣዚዩ ኸሪሩ ክመሓየሽ ኣለዎ እውን ኢሉ ብምውሳኽ።

ንቃወም ዘለና ንተግባር ግብረሰዶም እምበር ንግብረሰዶማዊያን ምቕታል፣ምብራር ዝብል ኣይኮነን፤ግብረሰዶም ክስፋሕፋሕ ኣለዎ ኢሎም ይንቀሳቐሱ ኣብ ልዕሊ ዘለው ግን መንግስቲ ሕጋዊ ስጉምቲ ክወስድ ኣለዎ ኢሉ ኣቦ መንበር እቲ ማሕበር መምህር ደረጀ ነጋሽ።
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:00 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG