ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ተሳትፎ ተምሃሮ ቀደምን ሎምን


ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ታሪኽ ተምሃሮ ዓብዪ ታራ ነይሩዎም።ናይ ሎሚ ተምሃሮኸ? መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኻሊእ ሓሙሽተ ዓመት ዘመን ስለጣን ስዒሩሎ።ኢህወዴግ ዴሞክራሲያዊ ኣይኮነን ብዝብል ይንቀፍ።ዝሓለፉ ስርዓታት ኢትዮጵያ ንቑሕ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ተምሃሮ የጋጥሞም ነይሩ።ናይ ሎሚ ተምሃሮ ግን ብዙሕ ኣይዋስኡን ዘለው።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ናይ ሕጊ ተምሃራይ ዝኾነ ናትናኤል /ሽም ኣቡእ ክገልፅ ፍቓደኛ ኣይኮነ/ ናቱ ወለዶ ተምሃሮ ንቑሓት ተሳተፍቲ ዘይምዃኖም ይሰማማዕ።

ናይ ቀደም ተምሃሮ ንዝኸፈልዎ መስዋእቲ ኣድናቖት ከምዘለዎ ዝገለፀ ናትናኤል ናተይ ወለዶ መናእሰይን ተምሃሮን ከምቶም ዝሓለፉንቑሕ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ዘይገብርሉ ምኽንያት ናብ ሓደ ከተኣኻኽቦም ዝኽእል ነጥቢ ስለዘይብሎም እዩ ዝብል እምነት ኣለዎ። ‘’ሎሚ ኣብ መንጎ መናእሰይ ምክፍፋል ኣሎ’’ ዝበለ ናትናኤል ኣስዒቡ ‘’ብምኽንያት ዓሌት ወይ ኣብ መንጎ ሃፍታምን ድኻን ብዘሎ ፍልሊ መነባብሮ ክኸውን ይእኽል እዩ። ኣፈላላዮም ናብ ጎኒ ገዲፎም ኣብ ሓደ ነጥቢ ክተኣኻኸቡ ኣይክእሉን’’ይብል።

ካብዚ ብተወሳኺ ብዙሓት ተምሃሮ ሪኢቱኦም ብነፃ ንምግላፅ ኣፀጋሚ ኮይኑ ከምዝረኸብዎ ይገልፁ።ፖለቲካ ኣልዒሎም ዝዘራረቡ ምስ ናይ ቀረባ ኣዕርኹቶምን ቤተሰቦምን ጥራሕ ምዃኑ ይዛረቡ።

ናይ ኢኮኖሚክስ ተምሃራይ ዝኾነ ምኒልክ ናይ ሎሚ ተምሃሮ ኣብ ፖለቲካዊ ምቅስቓሶም ዘርእይዎ ዘለው ዝሕታለ ምኽንያት ባዕሎም እምበር ንኻሊእ ክወቕሱ የብሎምን ይብል።ምኽንያቱ እዋኑ ናይ ሓበሬታ እዋን ስለዝኾነ ይብል።እቲ ምክፍፋል ንከይውደቡ ዕንቅፋት ምዃኑ እውን ይዛረብ ምኒልክ።

ናይ ቀዳም ናይ ኢትዮጵያ መራሒ መንግስቱ ሃይለማሪያም ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ተምሃሮ ጨካን ነይሩ።ብሰንኩ ብዙሓት ክስደዱ፣ብሕቡእ ክንቀሳቐሱ ወይ ናብ ዕጥቓዊ ቓልሲ ክዋፍሩ ተገዲዶም።

ከም ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ምንስቴር መለስ ዜናዊ ዝበሉ ተምሃሮ ንናይ 17 ዓመት ዕጥቓዊ ቓልሲ መሪሖም እዮም።

ተምሃሮ ንፖልሲታት ኣፄ ሃይለስላሴ እውን ይቃወሙ ነይሮም።ያእቆብ ሃይለማሪያም 1966 / ፕሬዝዳንት ሃገራዊ ማሕበር ተምሃሮ ዩኒቨርስቲ ነይሮም።ኣፄ ሃይለስላሴ ፍፁም ብዝኾነ ዘውዳዊ ስርዓት ይመርሑ እንተነበሩ እውን ተምሃሮ ኣንፃር ዋንነት መሬት ኣብ ዝኣመሰሉ ጉዳያት ይቃወሙ ነይሮም ይብሉ።ናይ ተምሃሮ ተቓውሞ ብጭካነ ኣይጭፍለቕን፤ ሰፊሕ ማእሰርቲ እውን ኣይፍፀምን ነይሩ ይብሉ።

ናይ ሎሚ ወለዶ ተምሃሮ ኣብ ጉዳያት ሃገሮም ብውዕውዕ ክንቀሳቐሱ ድልየት ኣለዎም ያእቆብ ሃይለማሪያም።

ኣብ 2005 / ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ምርጫ ስዒቡ ኣብዝተልዓለ ተቓውሞ ተምሃሮ ብበዝሒ ተሳቲፎም ነይሮም።

ትፅቢት ከምዝተገበረሉ ናይ 2015 ኣ/ፈ ውፅኢት ምርጫ ዕላዊ ምስኮነ ናይ ተምሃሮ ተቓውሞ ኣይተርኣየን።ኢህወዴግን ኣጋር ፓርትታትን ዛጊድ ካብ 547 መናብር ፓርላማ ን546 ስዒሮም ኣለው።

XS
SM
MD
LG