ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተቓወምቲ ፓርትታት ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባን ሆቴላትን ብዝፈጥሩዎ ዕንቅፋት ኣኼባ ክነካይድ ኣይክኣልናን ኢሎም


ናይ ምርጫ መወዳደሪ ባይታ ክዕረ ኣለዎ ብዝብል ንባዕሎም ዘተኣኻኸቡ ተቓወምቲ ፓርትታት ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባን ኣደራሽ ዘካርዩ ሆቴላትን ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ስለዝፈጥሩልና ኣኼባ ክነካይድ ኣይክኣልናን ኢሎም።ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ብወገኑ እቶም ፓርትታት ዘቕረብዎ ሰነድ ዝተማልአ ኣይኮነን፤ብኣካል ቀሪቦም እውን ኣየረድኡን ኢሉ’ሎ።

ናይ ምርጫ መወዳደሪ ባይታ ይመዓራረ ብዝብል ተቓወምቲ ፓርትታት ናይዘጣየሽዎ ኮሚቴ ኣቦመንበር ዝኾኑ ኣቶ ኣስራት ጣሴ ንቪኦኤ ኣብዝሃብዎ ቃል ኣኼባ ንምክያድ ኣዳራሽ ክንረክብ ኣይክኣልናን፣ኣብዝሓለረ ሓደ ወርሒ ጥራሕ ክልተ ግዜ ተመሳሰልቲ ዕንቅፋታት ኣጋጢሞምና ከምዘጋጠሞም ሓቢሮም።

ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን ናይ ከባቢን ናይ ከተማን ምርጫ ኣብያተ ምኽሪ ዘይሳተፉ ፓርትታት ምኽንያቶም ንደገፍቶም ንምግላፅ ኣብ ዝሓለፈ 26 ጥሪ ኣኼባ ፀዊዖም ነይሮም።እንተኾነ ናይ መእከቢ ኣዳራሽ ስልለተኸልከልና እቲ ኣኼባ ክነካይዶ ኣይክኣልናን፣እቲ ፅገም ሕዚ’ውን ቀፂሉ’ሎ ኢሎም ኣቶ ኣስራት ጣሴ።

ዕለት 26 ጥሪ ህዝባዊ ኣኼባ ንምክያድ ሕቶና ነቲ ምምሕዳር ኣቕሪብና እቲ ምምሕዳር ንደብዳበና ተቐቢሉ ነይሩ ምስበሉ ‘’ነገር ግን ናብ 11 ዝኾኑ ሆቴላትን ኣዳራሻትን ገንዘብና ኸፊልና ንምክራይ ሓቲትና ኣብ ኩሎም ተኸልኪልና።’’

ገሊኦም ሆቴላት ናይ ምምሕዳር ፍቓድ ኣምፅኡ ከምዝብሉዎምን እቲ ምምሕዳር ብወገኑ እትእከብሉ ኣዳራሽን ዝኸፍልኩምሉ መረጋገፅን ኣምፅኡ ስለዝብሉዎም እብ ውሽጢ ዕንኪልል እናእተው ኣኼባ ንምክያድ ከምዘይክኣሉ ሓቢሮም።

ዝቕፅል ቀዳም እውን ኣኼባ ኣብ ሆቴል ንምክያድ ንሸሞንተ ሆቴላት ሓቲቶም ተመሳሳሊ ምኽንያት እናትወሃቦም ክረኽቡ ከምዘይክኣሉ ኣረዲኦም።

ን26 ጥሪ ተፀዊዑ ዝነበረ ኣኼባ ዝምልከት ካብቶም ፓርትታት ዝበፅሖ ደብዳበ ዝተምማልአ ኣይኮነን ክብሉ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ከተማ ኣዲስ ኣበባን ጉዳያት ካቢኔትን ኣቶ ብሩክ ግዛው ንቪኦኤ ገሊፆም።’’እቲ ደብዳበ ግልፂ ኣይኮነን።እቲ ኣኼባ ኣበይ ከምዝካየድ ኣይሕብርን።ፀገም’ዃ እንተተፈጢሩ ኣድላይ ሓለዋ ክግበር ኣለዎ።’’

እቶም ኣመልከቲ ጉዳዮም ብኣካል መፂኦም ከረድኡ ኣይክኣሉን ብስልኪ ንምርካብ ተፍቲኑ’ውን ኣይተረኸቡን ኢሎም ኣቶ ብሩክ። ሽግር እንተሃሊዩ ናብቲ ምምሕዳር መፂኦም ፀገሞም ከረድኡ ከምዝኽእሉ’ውን ገሊፆም።ቅድሚ ሕዚ መፂኦም ከምዘይፈልጡ ግን ወሲኾም ሓቢሮም።

ሆቴላት ኣዳራሽ ንምክራይ ናይ ምምሕዳር ፍቓድ ክሓቱ ኣለዎም ዝብል ኣሰራርሓ ከምዘየለ’ውን ገሊፆም ኣቶ ብሩክ።
ተቓወምቲ ፓርትታት ኣብ ናይ ሆቴል ኣዳራሻት ከካይድዎ ሓሲቦምዎ ዝነበሩ ኣኼባ ኣዳራሽ ስለዘይረኸቡ ኣብ ቤት ፅሕፈት መላእ ኢትዮጵያ ሓድነት ፓርቲ ዝቕፅል ቀዳም ንምክያድ ወሲኖም ኣለው።
XS
SM
MD
LG