ፓርቲ ኣንድነትን ሓድነት መላእ ኢትዮዽያን ዝተኣሰሩ ኣባላት መሪሕነት ክልቲኦም ፓርቲታት ክሳብ ሎሚ ናብ ቤት ፍርዲ ዘይምቅራቦም ዘይሕጋዊ እዩ ኢሎም።
ክልቲኦም ፓርቲታት ሎሚ ኣብ ኣዲሳበባ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ”ኢህወዴግ ከምቅድሚ ሎሚ ዝተገብሩ ምርጭታታት ክቀርብ ከሎ፣ኣባላትና ካብ ምድብዳብን ምህዳንን ሓሊፉ ንኣባላት መሪሕነት ክኣስር ጀሚሩ‘ሎ” ኢሎም ከሲሶም።
ድሕነት ዝተኣሰሩ ኣባላት‘ውን ከምዘተሓሳሰቦም ገሊፆም።ኣቦ መንበር ኣንድነት ኣቶ ግዛቸው ሽፈራው”ዝተኣሰሩ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ናብ ቤት ፍርዲ ዘይምቅራቦም ኣሻቂሉና‘ሎ” ኢሎም።
ፕረዚደንት መኢኣድ ብወገኖም፣ኣብ እዋን ምርመራ ደብዳብ ኮነ ካልእ ዘይሕጋዊ ተግባር ክፍፀም ይኽእል‘ዩ ክብሉ ሓቢሮም።