ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተቃወምቲ ኢትዮዽያ ብዛዕባ እሱራት ይሻቀሉ


Amharic Ethiopia Program Banner
Amharic Ethiopia Program Banner

ፓርቲ ኣንድነትን ሓድነት መላእ ኢትዮዽያን ዝተኣሰሩ ኣባላት መሪሕነት ክልቲኦም ፓርቲታት ክሳብ ሎሚ ናብ ቤት ፍርዲ ዘይምቅራቦም ዘይሕጋዊ እዩ ኢሎም።

ክልቲኦም ፓርቲታት ሎሚ ኣብ ኣዲሳበባ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ”ኢህወዴግ ከምቅድሚ ሎሚ ዝተገብሩ ምርጭታታት ክቀርብ ከሎ፣ኣባላትና ካብ ምድብዳብን ምህዳንን ሓሊፉ ንኣባላት መሪሕነት ክኣስር ጀሚሩ‘ሎ” ኢሎም ከሲሶም።

ድሕነት ዝተኣሰሩ ኣባላት‘ውን ከምዘተሓሳሰቦም ገሊፆም።ኣቦ መንበር ኣንድነት ኣቶ ግዛቸው ሽፈራው”ዝተኣሰሩ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ናብ ቤት ፍርዲ ዘይምቅራቦም ኣሻቂሉና‘ሎ” ኢሎም።

ፕረዚደንት መኢኣድ ብወገኖም፣ኣብ እዋን ምርመራ ደብዳብ ኮነ ካልእ ዘይሕጋዊ ተግባር ክፍፀም ይኽእል‘ዩ ክብሉ ሓቢሮም።

XS
SM
MD
LG