ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዑደት ፕሬዝዳንት ኦባማ ንርክብ ኣሜሪካን ኢትዮጵያን ናብ ካሊእ ደረጃ ዘሰጋግር እዩ ኢሉ ም/ር ወፃኢ ኢትዮጵያ


ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ኣብ መወዳእታ ሓምለ ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍፅምዎ ዑደት ንርክብ ክልቲአን ሃገራት ናብ ካሊእ ብርኪ ከሰርጋግሮ እዩ ኢሉ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ።

ወሃቢ ቃል ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ተወልደ ሙሉጌታ ንናይ ወፃኢ ጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ መግለፂ ዑደት ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታትን ሃገራትን ዘሎ ርክብ ናብ ካሊእ ደረጃ ዘሰጋግር፣ካሊእ እምነ ኩርናዕ እዩ ኢሎም።

ኣብዚ ዑደት እዚ ዩናይትድ ስቴትስን ኢትዮጵያን ኣብ ጉዳያት ቁጠባዊ ምዕባለ፣ኣብ ምጥንኻር ዴሞክራሲያዊ ትካላትን ጉዳያት ፀጥታን ክዘራረቡ ተስፋ ንገብር ኢሎም።ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ኣዚዩ ፅቡቕ ምሕዝነት ዘለወን ሃገራት እየን ኢሎም ብምውሳኽ።

ዑደት ፕሬዝዳንት ኦባማ ንናይ ክልቲአን ሃገራት ስትራተጂያዊ ምሕዝነት ብዝበለፀ ከደንፍዕ እዩ ኢሎም እቶም ወሃቢ ቃል።

ፕሬዝዳንት ኦባማ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝጉዓዙ ካብ ዝእወጅ ጀሚሩ ዝተፈላለያ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ዘተሓሳስብ ምዃኑ ይገልፃ ኣለዋ።ፕሬዝዳንት ኦባማ እዚ ጉዳይ እዚ ንሰበስልጣን ኢትዮጵያ ከልዕሉሎም ይፅውዓ ኣለዋ።

ኣቶ ተወልደ ናይተን ትካላት ሪኢቶ ንዘሎ ሓቂ ዘንፀባርቕ ኣይኮነን ይብሉ።

ባራክ ኦባማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝፀንሕሉ እዋን ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ምስ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ክዘራረቡ ትፅቢት ይግበር።

ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓደ ናይ ኣሜሪካ ፕሬዝዳንት ንኢትዮጵያ ክበፅሕ ባራክ ኦባማ ፈላማይ ፕሬዝዳንት ክኾኑ እዮም።

XS
SM
MD
LG