ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አብ ኢትዮጵያ ሓድሽ መደብ ናይ ጥዕና ውሕስና ክተኣታተው'ዩ ተባሂሉ


ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር ከሰተብርሃን ኣድማሱ
ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር ከሰተብርሃን ኣድማሱ

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ስሩዕን ዘይስርዑን ዓውድታት ቁጠባ ዝተዋፈሩ ኢትዮጵያዊያን ካብ ዝቕጽል ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ናይ ጥዕና ውሕስና /ኢንሹራንስ/ ክረኽቡ ይስራሕ ከምዘሎ ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣብ ስሩዕ ስራሕ ዝተዋፈሩ ዜጋታት ኣገዳዲ ዝኾነ ናይ ጥዕና ኢንሹራንስ ንክህልዎም ዝወጸ ኣዋጅ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ካብ ደመወዞም ክቑረጽ እዩ።

ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር ከሰተብርሃን ኣድማሱን ኣብ ትካል ዓለምለኸ ልምዓት ተራድኦ ዩናይትድ ስቴትስ /USAID/ ሓላፊ ክፍሊ ስርዓት ጥዕና ኣቶ እሸቴ ይልማን ንኹሉ ዝሓቖፈ ኣገልግሎት ጥዕና ንምብጻሕ ይስራሕ ከምዘሎ መብርሂ ሂቦም ኣለው።

ስለስተ ሚእታዊት ዜጋታት እታ ሃገር ምስ ናይ ሕክምና ወጻኢ ብዝተኣሳሰረ ንዝለዓለ ቁጠባዊ ኪሳራ ይቃልዑ ከምዘለው ዝሓበሩ ዶ/ር ከሰተብርሃን ዜጋታት ውሕስነት ጥዕና ንክህልዎም መንግስቲ ክልተ ዓይነት ስርዓት ናይ ጥዕና ውሕስነት ንምትግባር ይሰርሕ ምህላው ሓቢሮም።

በቲ ሓደ ገጽ ብዙሓት ዜጋታት ዝተዋፈርሉ ከም ኣብ ሕርሻ ዝኣመሰሉ ዘይስሩዕ ዓውድታት ቁጠባ ዝተዋፈሩ ዜጋታት ንማሕበረሰብ ዝሓቁፍ ናይ ጥዕና ውሕስነት በቲ ካልእ ገጽ ድማ ኣብ ስሩዕ ዓውድታት ኢኮኖሚ ዝተዋፈሩ ወርሓዊ ክፍሊት ዝቕበሉ ዝምልከት እዩ።

ማሕበረሰብ ሓቆፍ ስርዓት መድሕን ጥዕና ዜጋታት ብድልየቶም ዘዋጽእሉን ኣካልት መንግስቲ ሓገዝ ዝገብርሉን ምዃኑ 'ውን እቶም ሚኒስትር ኣረዲኦም ኣለው።

XS
SM
MD
LG