ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ሃገራዊ ኮሚሽን ሓደጋ ከተጣይስ እያ


አብ ኢትዮጵያ ድርቂ ምስተኸሰተ ዕለታዊ ህጹጽ ረድኤት ኣብ ምቕራብ የተኩር ዝነበረ ኣሰራርሓ ናብ ዝተማልአ ናይ ሓደጋ ምኽልኻል ስራሕን ኣመራርሓ ምስግጋር ኣድላዩ ምዃኑ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኢትዮጵያ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ኣብዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ ዝተዋደደ፣ኣብ ተሓታትነት ዝተመስረተን ዘይምእኹል ናይ ኣሰራርሓ ስርዓትን ብምዝርጋሕ ቅድሚ ሓደጋ፣ኣብ እዋን ሓደጋን ድሕሪ ሓደጋን ክውሰዱ ዘለዎም ስጉምትታት ኣብ እዋኑን ብዝተማልአን ምውሳድ ከምዘድሊ ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ዝምስረተሉ ዋና ምኽንያት ክበጽሕ ንዝኽእል ጉድኣት ኣብ ምጉዳልን ንዝምልከቶም ኣካላት ንምስታፍን ምዃኑ'ቲ ቤት-ምኽሪ ሓቢሩ።

እቲ ቤት ምኽሪ ከምዝገለጾ ክሳብ ሎሚ ዝነበረ ኣሰራርሓ ብዋናነት ሓደጋ ድርቂ ምስተፈጥረ ናይ ህጹጽ እዋን ረድኤት ብምቕራብ ህይወት ኣብ ምድሓን ዘተኮረ ነይሩ።እዚ ዝጸንሐ ኣሰራርሓ ናብ ዝተማልአ ናይ ሓደጋ ምኽልኻል ስርዓት ኣመራርሓ ምስግጋር እዋኑ ስለዝኾነ እዩ ይብል መግለጺ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኢትዮጵያ። እቲ ዝተመስረተ ትካል ብኮሚሽነር ዝምራሕ ምዃኑ'ውን ተፈሊጡ'ሎ።

ናይ በልጊ ዝናብ ብምጥፍኡን ኤል ኒኞ ብዘስዓቦ ድርቂ ምኽንያት ኣብ ኢትዮጵያ ህጹጽ ረድኤት ናይ ዘድልዮም ሰባት 8.2 ሚሊዮን በጺሑ’ሎ፤እዚ ኣሃዝ ክውስኽ ከምዝኽእል እውን ይግመት።

XS
SM
MD
LG