ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ስጉምቲ ክትወስድ ትኽእል'ያ' ኢሎም ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ


Ethiopia
Ethiopia

ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ተመጣጣኒ ስጉምቲ እናወሰደት ፀኒሓ'ያ ክትቅፅለሉ'ውን'ያ ኢሎም ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ።

መንግስቲ ኤርትራ ‘ንኢትዮጵያን ጎረባብቲ ሃገራትን ናይ ምህዋኽ ስትራተጂኡ እንተዘይቀይሩ፣ስጉምቲ ንወስደሉ ኩነታት ክፍጠር ይኽእል’ዩ’ ኢሎም መራሒ ኢትዮጵያ።

ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ ሎሚ ሶሉስ ንፓርላማ ኢትዮጵያ ሪፖርት መንግስቲ ድሕሪ ዘቅረብዎ ሪፖርት ካብ ኣባላት’ቲ ቤት ምኽሪ ሕቶታት እውን ኣተኣናጊዶም’ዮም።

ንኩነታት መንግስቲ ኤርትራ ኣመልኪቱ ንዝቀረበሎም ሕቶ ክምልሱ ከለው ‘ጊዚኡ ምስበፅሐ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ገሊፅና፣ኣድላዪ ዘበለ ስጉምቲ ክንወስደሉ ንግደደሉ ኩነታት ይህሉ ይኸውን’ዩ’ ኢሎም።

እቶም ቀ/ሚ፤ሓደ ኣባል ናይ’ቲ ኢህወዴግ ዝቆፃፀሮ ቤት ምኽሪ ‘መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ዞባ ንምህዋኽ ንዝገብሮ ዘሎ ተግባር፣ማሕበረ-ሰብ ዓለም ፅዕንቶ ንክገብረሉ ዝካየድ ዘሎ ፃዕሪ እንታይ ይመስል? መርገፂ መንግስቲ ኢትዮጵያ’ከ እንታይ’ዩ?’ ንዝብል ሕቶ ኣብ ዝመለስሉ እዋን’ዩ ነዚ ሪኢቶ’ዚ ዝሃቡ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:01:52 0:00

XS
SM
MD
LG