ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኣፍረይቲ ቆርበት ብዝህቦ መተባብዒ ኢንዳስትሪ’ታ ሃገር ይምዕብል’ሎ


ፋይል
ፋይል

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኣፍረይቲ ቆርበት ዓበይቲ መተባብዒታት ይህብ ስለዘሎ ኣብታ ሃገር ናይ ቆርበት ኢንዱስትሪ ኣብ ምምዕባል ይርከብ።

ኢትዮጵያ ካብ ኣፍሪካ እታ ዝዓበየት ሃብቲ እንስሳት ዘለዋ ሃገር ጥራሕ ዘይኮነስት ኣብታ ሃገር ዝምረት ቆርበት‘ውን ዝለዓለ ጽሬት ኣለዎ።ኣብታ ሃገር ቆርበት ከምርቱ ንዝደልዩ ሰብ ሃብቲ ድማ ብዙሕ መተባብዕታት ኣለው።

ወናኒ ዱካ ክላርክስ ዝኾነ ሙሉጌታ ሚገናስ ብወገኑ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ተፈላጥነት ክንረክብ ኢና ይብል።

"Made In Ethiopia" ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሰርሕ ዝብል ምልክት ዝሓዙ ፍርያት ቀስ እናበለ ግን ድማ ብርግጸኝነት ኣብ ዓለም ኣፍልጦ ምርካቡ እናዓበየ እዩ።

ካብ ቆርበት ቦርሳ ናይ ዝሰርሕ ፋብሪካ ዛፍ ቦርሳታት ዝተባህለ ትካል ወናኒት ዝኾነት ኣባይ ሹልዜ ኣብታ ሃገር እንታይ ክስራሕ ከምዝኽእል ከምዚ ትብል። ‘ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሰርሐ ዝብል ፍርያት መበገሲኡ ናይ ወጻኢ ኣረዳድኣ እዩ።ናተይ ፍርያት ዝምልከት ግን ኢትዮጵያዊ መንነት ዘለዎም ብዙሓት ነገራት ክተሓሓዙ ገይርና ኢና።ቆላሕታን ናይ ቆርበት ጽሬትን ኣቓልቦ ክንረክብ ገይሩና እዩ።ናይዚ ሕውስዋስ ኣረዳድኣ ብኣወንታ ክንርአ ሓጊዙ እዩ።’

ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ሰደድ እንተወሰኸ እውን መንግስቲ ኣብ 2015 ዓ.ም.ፈ ናይ 500 ሚሊዮን ዶላር ቆርበት ናብ ወጻኢ ንምስዳድ ሒዙዎ ዝነበረ ሸቶ ኣይተዓወተን። ኣብ ዓውዲ ቆርበት‘ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሰርሐ’ ዝብል ምልክትን ንምስፋሕ መንግስቲ ኢንዱስትሪያዊ ማእኸል ናይ ምስራሕ ትልሚ ኣለዎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG