ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሕቲ ኣፍሪካ ፍሉይ ጉብኤ ከካይዱ እዮም ተባሂሉ


ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ኣብ ልዕሊ መሪሕነት ኬንያ ዝመርስረቶ ኽሲ ገበናት ፀረ ሰብኣውነት ተቓውሞ እናዓበየ ይኸይድ ኣብዘሎ እዋን መራሕቲ ኣፍሪካ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ፍሉይ ኣኼባ ከምዘካይዱ ዲፕሎማሰኛታት ኣፍሊጦም።ናይ እዋኑ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ ዝኾነት ኢትዮጵያ ሃገራት ኣፍሪካ ካብ ኣባልነት ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን /ICC/ ክወፃ ኬንያ ተካይዶ ንዘላ ዘመተ ከም እትድግፍ ኣፍሊጣ’ላ።

ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዘሄግ ዝመደብሩ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን /ICC/ ንኣፍሪካዊያን እናፈለየ እዩ ዝኸስስ ዘሎ ክብል ብምኽሳስ እቲ ቤት ፍርዲ ንናይ ኬንያ ኽሲ ውዱቕ ክገብሮ ቅድም ክብል ፀዊዑ እዩ።

ሕብረት ኣፍሪካ ንፍርዲ ፕሬዝዳንት ኡሁሩ ኬንያታን ምኽትል ፕሬዝዳንት ዊሊያም ሩቶን ናብ ኬንያ ክመሓላለፍ ድልየት ኣለዎ።

እቲ ኣብ ፈለማ ዝቕፅል ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ፍሉይ ጉባኤ ICC ነቲ ዝተፈፀመ ንኽትምርምርን ንተኸሰሱ ድማ ናብ ፍርዲ ክተቕርቦምን ንኬንያ ዕድል ይሃባ ኢሎም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ናይ ዝወሰኑዎ ቀፃሊ ኣኼባ እዩ ክብሉ ኬንያዊ ምኽትል ሓላፊ ጨንፈር ፈፃሚ ሕብረት ኣፍሪካ ኢራስተስ ወንቻ ንAFP ተዛሪቦም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ሃገራት ኣፍሪካ ካብ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን /ICC/ ክወፃ ኬንያ ኣብ ሙሉእ ኣፍሪካ ንእተካይዶ ወፍሪ ክድግፍ እየ ኢላ ኢትዮጵያ።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኣቶ ሬድዋን ሑሴን ኢትዮጵያ ICC ንኣፍሪካዊያን መራሕቲ እናፈለየ ይኸስስ እዩ ዝብል እምነት ኣለዋ ኢሎም። ICC ይሰርሖ ንዘሎ ኣድኒቕና ኣይንፈልጥን፤ብፍላይ ድማ ንመራሕቲ ኣፍሪካን መሪሕነት ኣፍሪካን ዘለዎ ንዕቐት ምስበሉ ኣስዒቦም ‘’ስለዚ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ኬንያን መንግስቲ ኬንያን ጠጠው ኢልና ኣለና።’’

ICC ካብ ዝምስረት ካብ 2002 ኣ/ፈ ጀሚሩ ኩሎም ናይ ICC ወግዓዊ ምርመራታት ኣብ ሃገራት ኣፍሪካ ዘተኮሩ እዮም።እዚ ሓቂ እዚ ገለ ሰበስልጣን ኣፍሪካ እቲ ቤት ፍርዲ ናይ ምዕራባዊያን ሓያላት ሃገራት መሳርሒ እዩ ክብሉ ገይሩዎም እዩ።

ቀዳማይ ምንስቴር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማሪያም ደሳለኝ ICC ናይ ዘርኢ ሃደን የካይድ ኣሎ ክብሉ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኸሲሶምዎ እዮም።

ICC ንጋምቢያዊት ፋቶ ቤንሰውዳ ሓዳሽ ዋና ዓቃቢት ሕጊ እቲ ቤት ፍርዲ ገይሩ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሸይምወን እዩ።ንሰን ICC ንመራሕቲ ኣፍሪካ እናፈለየ እዩ ዝኸስስ ንዝብል ኣበሃህላ መብዛሕቲኦም ዝምርመሩ ጉዳያት ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ብምትሕብባር እዮም ዝካየዱ ክብላ ነቲ ኽሲ ብተደጋጋሚ ክነፅግኦ ፀኒሐን እየን።

እንተኾነ ግን ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዝካየድ ጉብኤ ሕብረት ኣፍሪካ ንዝሓዘቶ መርገፂ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ንኽድግፋ ብዕቱብ ኣይክትደፍአሉን እያ ምኽንያቱ እዚ እምነት እዚ ንሳተን እውን ኣለወን እዩ ክብሉ ኣቶ ሬድዋን እምነቶም ይገልፁ።

ኣባላት ፓርላማ ኬንያ ካብ ICC ንምስሓብ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ብምድምፂ ኣፅዲቖምዎ እዮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኬንያ ጊቱ ሙዊጋይ ቤት ፅሕፈቶም ምስ ከይዲ ፍርዲ ICC ይትሓባበር ከምዘሎ ሓቢሮም።

ፕሬዝዳንት ኡሁሩ ኬንያታን ምኽትሎም ዊልያም ሩቶን ኣብ ኬንያ ኣብ 2008 ኣ/ፈ ዝተኻየደ ፕሬዝዳንታዊ ውድድር ስዒቡ ኣብታ ሃገር ኣብ መንጎ ዓሌታት ዝተልዓለ ህውከት ኢዶም ኣለዎ ብዝብል ብICC ተኸሲሶም ይርከቡ።ክልቲኦም ንዝቐረብዎም ኽስታት ይነፅጉዎም።ሩቶ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ሰሙን ናብ ቤት ፍርዲ ኣብዝቐረብሉ እዋን በደለኛ ኣይኮኑን ኢሎም ኣለው።

ብኻሊእ ዜና ብገበናት ኵናት ዝተኸሰሱ ናይ ሱዳን ፕሬዝዳንት ኦማር ኣል-በሽር ኣብዚ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ሕቡራት መንግስታት ኣብ ዝካየድ ሓፈሻዊ ጉብኤ ክርከቡ እንተኾይኖም ኣይተፈለጠን።
ሓንቲ ወሃቢት ቃል ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ኦማር ኣል-በሽር ኣብቲ ጉባኤ ንኽሳተፉ ዘቕረብዎ ናይ መእተዊ ቪዛ ሕቶ ተቐባልነት ረኺቡ እንተኾይኑ ክገልፃ ኣይደለያን።ንኽእሰሩ ዝወፀ ትእዛዝ ሓዊሱ ብዙሓት ጉዳያት ኣብ ግምት ይኣትው ከምዘለው ግን ገሊፀን።
ፕሬዝዳንት በሽር ብገበናት ኵናት ስለዝተኸሰሱ ናብ ዩናይትድ ስቴትስ ክመፁ የብሎምን ክትብል ዩናይትድ ስቴትስ ኣጠንቂቓ’ላ።
XS
SM
MD
LG