ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብቶም ዝሓለፉ 10 ዓመታት 4 ሚሊዮን ኢትዮጵያዊያን ካብ ዓዘቕቲ ድኽነት ከምዝወፁ ተገሊፁ


Ethiopia map
Ethiopia map

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብቶም ዝሓለፉ 10 ዓመታት ኣስታት ኣርባዕተ ሚሊዮን ህዝቢ ካብ ዓፀቕቲ ድኽነት ዝወፀ እንተኾነ እውን መሰረት እቲ ዕብየት ግን ኣጠራጣሪ እዩ ተባሂሉ ብመሰረት ሓደ መፅናዕቲ።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ናይ ኣፍሪካ ኢኮኖሚክ ኮሚሽን ኣብ ፍልልን ሓድነትን ትልሚ ቁጠባዊ ዕብየትን ትራንስፎርመሽን ኢትዮጵያን ፖሊሲ ሓምለዋይ ቁጠባን ክፅናዕ ገይሩ’ሎ።ነቲ መፅናዕቲ ዝመርሑ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ መምህር ኽፍሊ ቁጠባ ዶ/ር ታደለ ፈረደ እዮም።

ዶ/ር ታደለ ንውፅኢት እቲ መፅናዕቲ ሎማዕንቲ ሰኒ ኣብ መአከቢ ኣዳራሽ ሕቡራት መንግስታት ኣቕሪቦም ኣለው።

ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ቁጠባዊ ለውጢ ምውፃእ ወይ ምትናን ካርቦን ክንደይ ዝኣክል ነኪዩ ንዝብል ሕቶ መልሲ ንምሃብ ኣፀጋሚ እዩ ኢሎም ዶ/ር ታደለ።እንተኾነ ግን ናይ ካርቦን ምትናን ንምቕናስ መንግስቲ ዘካይዶም ሰፋሕቲ ምንቅስቓሳት ኣለው ኢሎም።

ብመሰረት ትልሚ ቁጠባዊ ዕብየትን ትራንስፎርመሽንን ኢትዮጵያ ብሚሊዮናት ዝቑፀር ህዝቢ ካብ ትሕቲ ፀፍሒ ድኽነት ከምዝወፀ ካብ መንግስቲ ንዝወፁ ፀብፃባት ብምጥቓስ የረድኡ ዶ/ር ታደለ።

‘’2005 ዓ/ም ምስቲ ቅድም ኢሉ ዝነበረ እዋን ክነፃፀር ከሎ እንተወሓደ ናብ ኣርባዕተ ሚሊዮን ዝፅጋዕ ህዝቢ ካብ ዓዘቕቲ ድኽነት ወፂኡ’ሎ ዝብል ፀብፃብ’ሎ’’ ምስ በሉ ‘’እዚ ኣብ ሰፊሕ መረዳእታ ዝተመስረተ መፅናዕቲ እዩ’’ኢሎም።

ክንዲዚ ዝኣክል ህዝቢ ካብ ድኽነት ፀፍሒ ንላዕሊ ምምፅኡ ኣብታ ሃገር ካብ ዝርኣዩ ምስፍሕፋሕ መሰረት ልምዓትን ደቅቕትን ኣናሽቱን ተቛማትን ዝፈጥርዎ ዕድል ስራሕ እዩ ይብሉ።

ኣብ ኢትዮጵያ 2005 ዓ/ም 80 ሚእታዊ እንተነበረ እውን ሎሚ ግን ከባቢ 72 ከምዝበፅሐ ሓቢሮም።

ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ቁጠባዊ መሓውር ዝተወሰነ ደረጃ ኣሎ ይብሉ።ቀንዲ ሕቶ ግን ትኹረቱ ኣበይ ይኹን ዝብል እዩ ይብሉ።

ናይ ሕቡራት መንስግታት ናይ ኣፍሪካ ኢኮኖሚክ ኮምሽን ኣብ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ዓሰርተ ሃገራት ኣፍሪካ እውን ተመሳሳሊ መፅናዕቲ የካይድ ከምዘሎ ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG