ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮዽያዊያን ዳያስፖራ ዋጋ 800 ሚልዮን ቅርሺ ሆስፒታል ክሰርሑ‘ዮም


Addis Ababa
Addis Ababa
ጉጅለ ኢትዮ-ኣሜሪካውያን ዝተባሃለ ማሕበር ኣብ ኢትዮዽያ ሸሞንተ ሚእቲ ሚእልዮን ቅርሺ ንዝዋግኡ ዘመናዊ ሆስፒታል ንክሃንፅ ይቀራረብ ምህላው ተገሊፁ።መለስካቸው ኣምሃ ንዝላኣኾ ሪፖርት፣በትረ ስልጣን፣

ኣባላት‘ታ ጉጅለ ሎሚ ሓሙስ ብመሰረት ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ፣ እቲ ሸሞንተ ሚእቲ ሚልዮን ቅርሺ ዝዋግኡ፣ሆስፒታል ዓለም ንዝበፅሓቶ ምዕባለን ቴክኖሎጂን ናብ ውሽጢ ሃገር ንምእታው‘ውን መንገዲ ዝኸፍት‘ዩ ኢሎም።

ዶ/ር ሄኖክ ገ/ሄር ምክትል ፕረዚደንት ጉጅለ ዶካትር ኢትዮ-ኣሜሪካውያን ኢንኮርፖሬትድ፣ነዚ ዝስዕብ ሪኢቶ ሂቦም‘ለው።

”ኣገልግሎት ሕክምና ካብ ምልጋስ ሓሊፉ፣ኪኢላታት ሕክምና ንምስልጣንን ምርምር ሕክምና ንምስላጥን ዘሕግዝ ገዚፍ ማእከል ክኸውን‘ዩ።እቲ ትካል ንኣድማሳዊ መዐቀኒታት ዘማእልእን ኣፍልጦ ዝረክብን ኮይኑ‘ዩ ክህነፅ” ኢሎም።

ምክትል ፕረዚደንትን ኣባል ኣመራርሓ‘ቲ ማእከልን ዝኾኑ ዶ/ር ግርማ ተፈራ ብወገኖም፣እቲ ሆስፒታል ማዕረ‘ቶም ኣብ ኣሜሪካን ኣውሮዻን ዝርከቡ ሆስፒታላት ከምዝኸውን ጠቂሶም።ኣተሓሒዞም፣ኣብ ርሑቅ ምብራቅ ታይላንድን ካልኦት ሃገራትን ዘለው ሆስፒታላት ዝኸሰብዎ ኣፍልጦ ዝረክብ‘ዩ ይብሉ ብዛዕባ‘ቲ ዝህነፅ ሆስፒታል ክዛረቡ ከለው።

ዶ/ር ዮናስ ለገሰ፣ኣባል‘ቲ መሪሕነትን ሓላፊ ጨንፈር ኣውሮዻን ብወገኖም፣ እቲ ኣብ ኢትዮዽያ ዝህነፅ ዘመናዊ ሆስፒታል ዳያስፖራውያን፣ልዕሊ ፳፯ ፍሉይ መጥባሕቲን ክንክንን ዝግበረሉ ዘፈራት( ስፔሻሊቲይስ) ከምዝህልዎ ሓቢሮም።ተወሳኺ መብርሂ ክህቡ ከለው፣

”ካብ ሞንጎኦም፣ሕክምና ልቢ ልዕሊ ፭ ዓይነት፣ሕማም ኩላሊት ልዕሊ ፲፪ ዓይነት ሕክምናታት፣ካንሰር ልዕሊ ፬ ዓይነት ሕክምና፣ መጥባሕቲን ሕክምናን ኣዕፅምቲ ድማ ልዕሊ ፫ ሓካይም ኣለውና” ይብሉ።

እቲ ዝህነፅ ሆስፒታል ኣገልግሎት ምሃብ ክጅምር ከሎ፣ንሕሙማት ምብራቅ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቅን፣ዕድል ቱሪዝም ሕክምና ክኸፍት ከምዝኽእል ንናይ‘ታ ሃገር መልክዕ ኣብ ምፅባቅ ኣበርክቶ ክህልዎ‘ዩ ከምዝህልዎ እውን ተሓቢሩ‘ሎ።

ንዝላዓለ ሕክምና እናበሉ ካብ ዓዶም ወፃኢ ንዝገይሹ ኢትዮዽያውያን ከምዘሕግዝ፣ብኣዝዩ ዝሓሰረ ዋጋ ኣገልግሎት ሕክምና ንክረኽቡ ከምዝገብርን እውን ተስፋ ኣሎ ይብል መለስካቸው ኣምሃ ዝላኣኾ ሪፖርት።
XS
SM
MD
LG