ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያዊያን ትሕቲ ዕድመ ኣብ ናይ ጉልበት ስራሕ


ሎማዕንቲ 12 ሰነ ብናይ ኣውሮፓዊያን ኣቆፃፅራ ‘’ዓለምለኸ መዓልቲ ፀረ-ጉልበት ቆልዓ’’ ተዘኪሩ ይውዕል።ኣብ ምምዕባል ኣብ ዝርከባ ሃገራት ትሕቲ 18 ዓመት ቆልዑ ንቤተሰቦም ወይ ንባዕሎም ንምዕንጋል ክሰርሑ ኣለዎም።ሓንቲ ኣብነት ኢትዮጵያ እያ። ልዕሊ 60 ሚእታዊ ህፃናት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ናይ ጉልበት ስራሕ ተዋፊዎም ይርከቡ።

ቆልዑ ኣብ ስራሕ ክዋፈሩ ሎሚ እውን ኣብ ብዙሓት ኽፋላት ዓለም ልሙድ እዩ።ኣብ ኢትዮጵያ ካብ 12 ክሳብ 16 ዝዕድሚኦም ብዙሓት ቆልዑ ኣብ ሕርሻ ወይ ኣብ ጎደናታት ገለ ነገራት ብምሻጥን ጫማ ብምውልዋልን ንወለዶም ይሕግዙ።

ኣብ ኢትዮጵያ ‘’Young Lives’’ /ናብራ መናእሰይ/ ናይ ዝተብሃለ ትካል ሃገራዊ ዳይረክተር ዝኾኑ ኣሉላ ፓንክረስት ኣብ ጉዳይ ጉልበት ህፃውንቲ ወይ ስራሕ ብዙሕ መፅናዕቲ ዘካይዱ እዮም።ኢትዮጵያዊያን ህፃውንቲ ንስድራታቶም ክድግፉ ባህላዊ ቅቡልነት ከምዘለዎ ብምግላፅ ‘’ቆልዑ ኣብ ገዛውቶም ብዘለዎም ድኽነት ክሰርሑ ይግደዱ።እዚ ጥራሕ ከይኮነስ ነቲ ስድራ ዝዕንግል ኣባል ቤተሰብ ክሞት ከሎ እውን እዩ’’ይብሉ።

"Forum on Sustainable Child Empowerment." ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ከባቢያዊ ትካል እዩ።ብኣመንዝራነት ንዝናበራ ትሕቲ ዕድመ ኣዋልድ ይሕግዝ።

ከምቶም ጫማ ብምፅራግ ዝናበሩ ብዙሕ ኣይርኣያን።ንስድርኦም ንምሕጋዝ ካብ ዝሰርሑ ህፃውንቲ እውን ብዝዓበየ ንሽግር ዝተቓልዓ እየን።

ካብ ገጠር መፂኣ ብግርድና ትሰርሕ ዝነበረት 17 ዝዕድሚኣ በላይነሽ ቆፀርታ ብሕማቕ ስለዝሕዙዋ ስራሓ ብምግዳፍ ኣብ ስራሕ ኣመንዝራነት ከምዝተዋፈርት ትዛረብ።

"Forum on Sustainable Child Empowerment." እተን ኣዋልድ ግቡእ ክንክንን ትምህርትን ይረኸባ ምህላወን የረጋግፅ።ሙያ እውን ይምሃራ።ጓል 18 ዓመት እንዳለኝ ደገፋው ናይ ስልጠና ወረቐት ምስክር ረኺባ ኣብ ምቕምቃል ጨጉሪ ትሰርሕ ኣላ።ኣብ ጎደናታት ትረኽቦ ካብ ዝነበረ ዳርጋ ብሲሶ ዝወሓደ እንተኾነ ናብቲ ቅድሚ ሎሚ ትሰርሖ ዝነበረት ፈፂማ ከምዘይትምለስ ትገልፅ።

‘’ቅድሚ ሎሚ ይሰርሖ ከምዝነበርኩ ዓይነት ስራሕ ብዙሕ ገንዘብ ክርከብ ይኽእልየ፤ጥዕና ዘለዎ ግን ኣይኮነን’’ዝበለት ንሳ ኣስዒባ ‘’ሎሚ ሒደት ገንዘብ ዝረክብ እንተኾንኩ ናይ ሕዚ ናብራይ ይሓይሽ።ቅድሚ ሎሚ ተዋፊሮዮ ናብ ዝነበርኩ ስራሕ ክምለስ ኣይደልን እየ’’ይብል።

ብዙሓት ናይ ኢትዮጵያ ትካላት ግን ኢትዮጵያ ኣብ 209 ኣ/ፈ ብምኽንያት ዘፅደቐቶ ሕጊ ስቪል ማሕበረሰባት ኣብ ጉዳያት መሰላት ዝሰርሑዎም ስራሕቲ ዝተደረተ እዩ ይብሉ።ኣብ ጉልበት ስራሕቲ ናይ ዝተዋፈሩ ህፃናት ኩነታት ንምምሕያሽ እቲ ሕጊ ተወሳኺ ፀገም እዩ ክብሉ ይዛረቡ።

XS
SM
MD
LG