ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰማያዊ ፓርቲ ዝወጠንኩዎ ሰልፊ ብገዛኢ ፓርቲ ተዓናቒፉኒ ክብል ኸሲሱ


ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣደባባይ መስቀል ከካይዶ ዝወጠንኩዎ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ብንኽንያት ገዛኢ ፓርቲ ተዓናቒፉኒ ክብል ናይ ኢትዮጵያ ሰማያዊ ፓርቲ ገሊፁ።ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ብወገኑ እቲ ሰልፊ ኣብ ጃን ማይዳ ወይ ኣብ ካሊእ መማረፂ ቦታ ንኸካይዱ ንኣመራርሓ እቲ ፓርቲ ተነጊሩዎም ኣይተጠቐምሉን ኢሉ’ሎ።

ምምሓዳር ኣዲስ ኣበባን ሰማያዊ ፓርትን በቲ ፓርቲ ንትማሊ ሰንበት ዝተፀውዐ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣበይ ይካየድ ዝብል ክሰሓሐቡ ፀኒሖም እዮም።ሰማያዊ ፓርቲ እቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣብ ኣዳበባይ መስቀል ከካይድ እየ እንትብል ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ድማ ኣብ ጃን ማይዳ ወይ ኣብ ካሊእ ዝመርፅክምዎ ቦታ ተዘይኮይኑ ኣብ ኣደባባይ መስቀል ክተካይዱ ኣይትኽእሉ ክብል ፀኒሑ እዩ።

እቲ ሰልፊ ኣብ ኣደባባይ መስቀል ምክያድ ከምዝቕፅለሉ ክገልፅ ዝፀንሐ ሰማያዊ ፓርቲ ናብ ክልተ ምእቲ ዝኾኑ ኣባላት ኣመራርሓ እቲ ፓርቲን ደገፍቱን ትማሊ ካብ ቤት ፅሕፈቱ ናብ ኣደባባይ መስቀል ጉዕዞ ጀሚሮም።ንሓፂር እዋን ድማ ከምዚ ክብሉ ድምፆም ኣስሚዖም።
እንተኾነ ሓይልታት ፀጥታ ናብ ጃን ማይዳ እምበር ናብ ኣደባብይ መስቀል ክትኸዱ ኣይትኽእሉን ክብሉ ኸልኪሎምና ይብሉ ኣቦ መንበር ሰማያዊ ፓርቲ ኣቶ ይልቃል ጌትነት።
እቶም ሰልፈኛታት ብፀረ ሽብር ተኸሲሶም ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታትን ፖለቲከኛታትን ንኽፍትሑ ዝፅውዕ ጭርሖ የስምዑ ነይሮም።

ድሕሪ እቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ እቶም ሰልፈኛታት ሰላማዊ ብዝኾነ ኣገባብ ናብ ቤት ፅሕፈት እቲ ፓርቲ ተመሊሶም።

ኣብ ኣደባብይ መስቀል ሰላማዊ ሰልፊ ንኸይንገርብ ዝተኸልከልና ተቓወምቲ ስለዝኾንና እዩ ይብሉ ኣቶ ይልቃ ጌትነት።

ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ግን ብሰማያዊ ፓርቲ ንዝተውሃበ ሪኢቶ ኣይተቐበሎን።
ኣብ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኬንቲባን ጉዳያት ካብኔትን ኣቶ ኣሰግድ ጌታቸው ኣብ ኣደባባይ መስቀል ዘይተፈቐደሉ ምኽንያት ብዝካየድ ሰፊሕ ስራሕቲ ምዝርጋሕ ባቡር ሃዲድ እዩ ኢሎም።ነቲ ልምዓት ደው ኣቢልና ሰልፊ ክነካይድ ኢና ዝብሉ እንተኾይኖም ግን ዋላ ንሓንቲ ደቒቓ እውን ስራሕ ጠጠው ኣይነብልን ኢሎም።

እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ጃን ማይዳ ንኸካይዱ ኣድላዪ ዘበለ ምትሕብባር ይግበረሎም ከምዝነበረ ኣቶ ኣሰግድ ወሲኾም ሓቢሮም።ፓርቲ ሓድነት ንዴሞክራስን ፍትሕን ከምኡ’ውን ናይ ኢትዮጵያ ራእይ ፓርቲ ኣብ ዝቕፅሉ ተኸታተልቲ ክልተ ሰሙናት ሰልፊ ዝፀውዑ እንትኾኑ ዝተፈቐደሎም ቦታ ግን ኣብ ጃን ማይዳ እዩ።
XS
SM
MD
LG