ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሶማል፡ ኣብ ኣሚሶም ዝርከቡ ወታሃደራት ኢትዮጵያ መደበር ኣል-ሸባብ ኣጥቂዖም


ናይ ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማል (ኣሚሶም ) ወታሃደራት ኢትዮጵያ ሎሚ ንግሆ ካብ ኪስማዮ ወጻኢ ዝርከብ መደበር ኣል-ሸባብ ኣጥቂዖም።

ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ድማ እቲ ሰራዊት ምስ ሓይልታት ሶማል ብምዃን ናብ ኪስማዮ ከምተመለሱ እንተኾነ ግን ዝበጽሐ ጉድኣት ብርግጽ ክሳብ ሕጂ ከምዘይተፈልጠ ተሓቢሩ። ብመሰረት ኮሎኔር መሓመድ ኣብዲ ኢካ ንድምጺ ኣሜሪካ ዝሃብዎ ሓበሬታ ዒላማ'ቲ መጥቃዕቲ ነቲ ቦታ ንምሓዝ ዘይኮነ ንጸላኢ ኣክቢብኻ ንምዕናው ምኳኑ ገሊጾም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣመሓዳሪ ጁባ ንዝተረፉ ዕርድታት ኣል-ሸባብ ብፍሉይ ኣብ ከባቢ ኪስማዮ ዝርከቡ ቦታታት ሓራ ንምውጻእ ስርሒት ክጅመር ምዃኑ ምግላጾም ይዝከር። እዚ ስርሒት ኣብ ኣሚሶም ዝርከቡ ወታሃደራት ኬንያ ካብ ደቡባዊ ሶማል ንዝርከቡ ብዙሓት መደበራት ሓዲጎም ድሕሪ ምውጽኦም ዉሑድ መዓልታት'ዩ ተኻይዱ ዘሎ።

XS
SM
MD
LG