ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮዽያ ካብ ጥቅዓት ኣል-ሸባብ ናፃ‘ያ ይብል ምንስቴር ወፃኢ


Ethiopia
Ethiopia

ኢትዮዽያ ካብ መጥቃዕቲ ኣል-ሸባብ ኩሉ-ሻዕ ትከላኸል ሃገር’ያ እንተኾነ ዜጋታታ ተባዓት ንክኾኑ ፀዊዑ ምንስቴር ወፃኢ‘ታ ሃገር።

ኣምባሳደር ታየ እፅቀ-ስላሴ ሎሚ ንኣብ ኣዲሳበባ ዝቅመጡ ወፃእተኛታት ዲፕሎማታት ኣብዝሃብዎ መግለፂ፣ሃገር ሰላም‘ያ ዘላ ቅሰኑ ዳኣ ኢሎም።

“ኣብ ኣዲሳበባ ንዝምቅማጦም ዲፕሎማት ክነረጋግፆ ንደሊ፣ኣል-ሸባብ ኣብ ኣዲሳበባ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ሙሉእ‘ዛ ሃገር ባይታ ንከይህልዎ ዝካኣለና ዘበለ ስጉምቲ ንወስድ ዘለና ምኳና‘ዩ” ይብሉ ንሶም።

ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮዽያ ዝሓለፈ ሰሉስ ንዜጋታቱ ኣብ ዝዘርገሖ መጠንቀቂ፣ኣል-ሸባብ ኣብ ከባቢ ቦሌ መጥቃዕቲ ክፍፅም ይኽእል‘ዩ ከምዝበለ ዝዝከር‘ዩ።

ኣል-ሸባብ፤ሰራዊት ኢትዮዽያ ኣብ ሶማልያ ምስ ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ንዘለዎም ተሳትፎ ሕነ ንምፍዳይ ኢሉ ጥቅዓት ክፍንው ከምዝኽእል ይጠቅስ።

ዓቃቢ-ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ፣ኣብ‘ዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ዓመታት፣ኣብ ቁፅፅር ኣል-ሸባብ ካብ ዝነበረ ከባቢ ንሰብዓ ሚእታዊ ሓራ ኣውፂኡ‘ዩ።እቲ ዳሕረዋይ ዓወቱ፣ናይ መወዳእታ ስትራተጂካዊ ከተማ ኣል-ሸባብ ንዝነበረት ባራዌ ሓራ ከምዘውፀአ ዝዝከር‘ዩ።

ኣብ ኢትዮዽያ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ፐትሪሽያ ሃስላክ፣ዕላማ ኤምባሲኤን ነቲ መንግስቲ ኢትዮዽያ ዝፍፅሞ ስራሕቲ ሓለዋ ንምንእኣስ ከምዘይኮነ ጠቂሰን‘ለዋ፣

“ሓበሬታ እንተረኪብና ንዜጋታትና ንገልፅ ኢና።እዚ ሕጊ‘ዩ።ኣብ ትሕቲ ሕጊ‘የ ዝሰርሕ።ምስ መንግስቲ ኢትዮዽያ ተቀራሪብና ንሰርሕ ምኳና‘ውን ከረጋግፀልኩም ይፈቱ።ድልየትና እንታይ ከምዝኾነ‘ውን ኣቀዲምና ገሊፅናሎም ኢና” ኢለን።

መንግስቲ ኢትዮዽያ ብወገኑ፣ነታ ሃገር ክጎድእ ዝኽእል ኩሉ ዓይነት ተፃብኦ ንምኹላፍ ኣብ ዝንቀሳቀሰሉ እዋን፣ዜጋታቱ ትኩራትን ተባዓትን ንክኾኑ ፀዊዑ‘ሎ።

ብመንፅር ናብ ሶማልያ ሰራዊተን ዘዋፈራ ካልኦት ሃገራት ዘጋጠመን መጥቃዕቲ ሸበራዊ መጥቃዕቲ ኣነፃፂርካ ኢትዮዽያ ዝወረዳ ጉድኣት ዛጊድ የለን።

ብኣንፃሩ ኬንያ ከቢድ መጥቃዕቲን ጨወያን ተፈፂምዋ‘ዩ።ዓሚ ዌስትጌት ኣብ ዝተባሃለ ዕዳጋ ናይሮቢ ዝተፈፀመ ጥቅዓት ፈጠርቲ ራዕዲ 67 ሰባት ከምዝሞቱ ዝዝከር‘ዩ።

XS
SM
MD
LG