ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ልምዓት ሓምለዋይ ቀለብ ጥሪት ይካየድ'ሎ


ኣብ ከተማ መቐለ ሓመድ ዘይጥቀም ሕርሻ ብምክያድ ሓምለዋይ ቀለብ ጥሪት ኣብ ምፍራይ ዝጠመተ ምርምራዊ ስራሕ ተዋፊሩ'ሎ።

ብሓይሉ ኣብርሃ ይባሃል። ነዚ ስርሓት ዘካይዶ ዘሎ ሜላ ሓመድ ብዘይምጥቃም፣ ውሑድ ማይ ብምጥቃም፣ኣብ ብጣዕሚ ጸቢብ መሬት ብርኩት ምህርቲ ዝህብ ሜላ ምዃኑ ይገልጽ።

ኣብ 50 ትርብዒት ሜትሮ 6 ኩንታል ቀለብ ጥሪት ምፍራይ ይካኣል እዩ እውን ይብል።

እዚ ሜላ እዚ ኣብ ሓደ ቦታ ጥራሕ ተወሲኑ ዝካየድ ብዘይምዃኑ ንሓረስቶት ዋጋ መጓዓዝያ ዘጉድልን ዝበለጸ መማረጺ ኰይኑ ቀሪቡ'ሎ ይብል ብሓይሉ ኣብርሃ።

ልምዓት ሓምለዋይ ቀለብ ጥሪት ብፍላይ ነቲ ሐጂ ኣብ ኢትዮጵያ ኣጓኒፉ ዘሎ ሕጽረት ቀለብ እንስሳ ዝሐሸ መማረጺ ኰይኑ የገልግል ምህላዉ ብሓይሉ ኣብርሃ ይገልጽ። ነቲ ምህርቲ ናብ ገጠር ብምልኣኽ ሓረስቶት ካብቲ ወሪዱዎም ዘሎ ጸገም ንምንጋፍ እምበኣር መንግስቲ፣ ዘይመንግስታዊ ትካላት፣ ባዕሎም ተጠቀምቲ ሓርስቶትን ካብ ኢትዮጵያ ወጻኢ ዝነብሩ ደቂ ሃገር ብተግባር ክሰርሑ ከምዝግባእ ብሓይሉ ተላብዩ'ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ኣብ ኢትዮጵያ ልምዓት ሓምለዋይ ቀለብ ጥሪት ይካየድ'ሎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:50 0:00

XS
SM
MD
LG