ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'መራኸቢ ብዙሃን ብዝድለ ሓበሬታ ክረኽቡ ባህሊ ምስጢራዊነት ፈጸምቲ ኣካላት ክስበር ኣለዎ' ኣፈ ጉባኤ ፓርላማ ኢትዮጵያ


መራኸቢ ብዙሃን ብዝድለ ደረጃ ሓበሬታ ክረኽቡ እንተኾይኖም ዝጸንሐን ሱር ዝሰደደን ባህሊ ምስጢራዊነት ፈጸምቲ ኣካላት ክስበር ኣለዎ ኢሎም ኣፈ ጉባኤ ፓርላማ ኢትዮጵያ።ሓበሬታ ናይ ምርካብ ነጻነት ንምርግጋጽ ሰብኣውን ዴሞክራሲያውን መሰላት ቀንዲ መሳርሒ እዩ'ውን ኢሎም ኣፈጉባኤ ኣባዱላ ገመዳ።

ሓበሬታ ናይ ምርካብ ነጻነትን ፈተናታቱን ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ትማሊ ረቡዕ አብ ኣዲስ ኣበባ ሂልተን ሆቴል ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ተረኺቦም መደረ ዘስምዑ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወክልቲ ህዝቢ ኣቶ ኣባዱላ ገመዳ ትኹረቶም ናይ ሓበሬታ ነጻነት ንህንጸት ሰናይ ምሕደራ ዘለዎ ኣስተዋጽኦ'ዩ አብ ዝብል ኣርእስቲ'ዩ ነይሩ።

ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰል ግሉጽነትን መትከላት ተሓታትነትን ዘሐይልን ተሳትፎ ወናንነት ስልጣን ህዝቢ ዘረጋግጽን ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ሰናይ ምሕደራ ናይ ምሕያል ዕላማ ስለዘለዎ ክልቲኦም ዘይፈላለዩን ዝተኣሳሰሩን እዮም ኢሎም አፈጉባኤ አብዱላ ገመዳ።

'ምንጪ ሓበሬታ ብምዃን ኣብ መንጎ መንግስትን ህዝብን ከም ድልድል ዘገልግሉ ትካላት መራኸቢ ብዙሃን ኣብዚ ጉዳይ ክጻወትዎ ዝኽእሉ ተራ ዝለዓለ እዩ።ይኹን እምበር መራኸቢ ብዙሃን ብዝድለ ደረጃ ሓበሬታ ኣኪቦም ንሕብረትሰብ ንከይዝርግሑ፣ብልሽውና ንኸይቃለሱን ኸአ ዝጸንሐን ሱር ዝሰደደን ባህሊ ምስጢራዊነት ፈጸምቲ ኣካላት ክስበር ኣለዎ'ይብሉ አፈ-ጉባኤ አባዱላ ገመዳ።

ኣብ ቀረባ ላዕለዎት ሰበስልጣን ገዛኢ ፓርቲን መንግስትን ኣብታ ሃገር ብዛዕባ ዘሎ ጸገማት ሰናይ ምሕደራ ዘካየድዎ ኣኼባ ብቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ካብ ዝመሓላለፍ ጀሚሩ ኣብ ኣደባባይ ዘይልዓሉ ዝነበሩ ጸገማት ሰናይ ምሕደራ መንግስቲ ብወግዒ ኣብ ኣደባባይ ክልዓሉ ጀሚሮም ኣለው።

ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ እውን ናይ ምርመራ ጋዜጠኝነት ክተባባዕ ኣለዎ ክብሉ ኣብ ቀረባ ተዛሪቦም ምንባሮም ይዝከር።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

XS
SM
MD
LG