ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ኤርትራ ፕሬዝዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ ናይ ግብፂ ፕሬዝዳንት ዓብድል ፋታሕ ኣል-ሲሲ ኣብ ክልትኣዊ ርክባት ተዘራሪቦም


Eritrean-President-Visit-to-Egypt
Eritrean-President-Visit-to-Egypt

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዞባውን ዓለም-ለኻውን ጉዳያት ከበርክትዎ ዝኽእሉ ኣስተዋጽኦ`ውን ከምዝዘቱ ተሓቢሩ`ሎ

ናይ ኤርትራ ፕሬዝዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ ናይ ግብፂ ፕሬዝዳንት ዓብድል ፋታሕ ኣል-ሲሲ ኣብ ክልትኣዊ ርክባት ተዘራሪቦም

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዞባውን ዓለም-ለኻውን ጉዳያት ከበርክትዎ ዝኽእሉ ኣስተዋጽኦ`ውን ከምዝዘቱ ተሓቢሩ`ሎ።

ምንጭታት ሎማዕንቲ ሰሉስ ንቪኦኤ ከምዝገለፅዎ ዑደት እቶም ፕሬዝዳንት ብዙሓት ኤርትራዊያን ብሲናይ ኣቢሎም ናብ እስራኤልን ኣውሮፓን ንምእታው ኣብ ዝፍትንሉ እዋን፡ ግዳያት ገበነኛታት ብዛዕባ ዝኾንሉ ዘለው ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት ቀዳምነት ሂቦም ክዘራረብሉ መደብ ኔሩ`ዩ።

ናይ ግብፂ ቀዳማይ ምንስቴር ኢብራሂም ማሕላብ ንፕሬዝዳንት ኢሳያስ ኣብ ካይሮ ዓለምለኸ መዕረፎ ነፈርቲ ተቐቢሎምዎም።

ምንስቴር ወፃኢ ዑስማን ሳሊሕን ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብረኣብን ምስ ፕሬዝዳንት ኢሳያስ ተጓዒዞም ኣለው።

Eritrean President`s Visit to Egypt
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:23 0:00
መራገፊ

XS
SM
MD
LG