ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዕዞ 70 ዓመታቱ ንመሰረታዊ መብጽዓታቱ ኣየተግበረን" ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን


ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዕዞ 70 ዓመታት ንመሰረታዊ መብጽዓታቱ ዛጊት ከምዘየተግበረ ገሊጹ።

ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ኒዚ ዝገለጸ ሎሚ ቀዳም ጥቅምቲ 03 ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ኣብ መዕጸዊ እቲ ዋዕላ ኣብ ዘስምዖ መደረ ክኸውን እንከሎ: ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰላም ፍትሒ ከምኡውን ምዕባለ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ንምዝርጋሕን ንምስፋንን ከምዝተበገሰ ድሕሪ ምግላጽ: ዛጊት እዞም መብጽዓታት ግን ኣይተተግበሩን ኢሉ። እዛ እንነብረላ ዘለና ዓለም ሻራውን ዘይማዕርነታዊ ኣካይዳ ምኻድ ቀጺላ ከምዘላ ከኣ ኣገንዚቡ።

ኤርትራ ምዕሩይ ሓቀኛ ውክልና ከምእውን ኣድማዒ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንኽህሉ ካብ ዘለዋ ድሌት ቅርብቲ ምህላው ሚኒስተር ዑስማን ገሊጹ። ሃገሩ መብጽዓ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዘይምትግባሩ ግዳይ ዝተፈላለዩ ጸለውቲ ሓይልታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮይና ከምዘላ ድማ ኣብቲ መደረኡ ኣስሚሩሉ።

ነቲ መደረ ዝምልከት ጸብጻብ ምንያ ኣፈወርቂ ካብቲ ቦታ ዝለኣኸቶ ጸብጻብ ኣብ ታሕቲ ክስማዕ ይከኣል

please wait

No media source currently available

0:00 0:01:13 0:00

XS
SM
MD
LG