Monday, April 21, 2014 ሰዓት'ቲ ከባቢ 15:04

Horn of Africa

እቲ ጥሪ 21 ኣብ ሚንስትሪ ዜና ኤርትራ ዝተራእየ ፍፃመ ከም ሓደ ኣካል ናይ ህዝቢ ምንቅስቃስ ኢና ንርእዮ - ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

Map of Eritrea and EthiopiaMap of Eritrea and Ethiopia
x
Map of Eritrea and Ethiopia
Map of Eritrea and Ethiopia
መጠን ፅሑፍ - +
 እቲ  ኣብ ኤርትራ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ብ'21 ጥሪ ዝተራእየ ፍፃመ  ከም ሓደ ኣካል ናይ ህዝቢ ምንቅስቃስ ኢና ንርእዮ ክብል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ - ስድህኤ  ገሊፁ።

ተአሲሮ ዝበሃሉ ዘለው'ውን ከም ዝተኣስሩ ተኣማኒ ሓበሬታ አለና ክብሉ ኣቦ መንበር'ቲ ሰልፊ  አቶ መንግስትአብ አስመሮም ምስ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-መጠይቅ ተዛሪቦም።

ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ  ዝርከብ ሕብረት ኣፍሪቃን ኮሚሽን ኢኮኖሚ ኣፍሪቃን ናይ ኤርትራ ኣምባሳደር  አቶ ግርማ አስመሮም ብፅሑፍ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ፣ ብዛዕባ'ዚ ናይ 21 ጥሪ 2013  ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ዘጋጠመ ፍፃመ ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራን  ብዛዕባ'ቲ ወታሃደራዊ ፈተነ ዕልዋ መንግስ  ተባሂሉ ዝተፀወዔን  ብሚድያ ዝተዋደደ ወፍሪ መጋገይ ሓበሬታ ይካየድ'ሎ ክብሉ ገሊፆም።

ኣምባሳደር ግርማ ኣብቲ ናይ ፅሑፍ መግለፂኦም ፣  ኣብ ኤርትራ ወታሃደራዊ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ፈፂሙ አይነበረን፣  እዚ ብርግፀኝነት ገሊኦም ወገናት ዝሓልምዎ'ዩ  እብል ኢሎም። 

ሙሉእ ጥሕዝቶ ንምስማዕ ናብ ምልክት ዽምፂ ብምኻድ ጠውቁ።
Eritrea
Eritreai
|| 0:00:00
...
 
🔇
X