ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፍፃመ 21 ጥሪ ‘ዘሻቅል ኣይነበረን፣ኣይኮነን’ ኢሎም ፕ/ኢሳያስ ኣፈወርቂ


ኢሳያስ ኣፈወርቂ
ኢሳያስ ኣፈወርቂ
መንግስቲ ኤርትራ፣ብዛዕባ‘ቶም ዝተቆጥዑ ወትሃደራት ንምንስቴር ዜና ኤርትራ ዝተቆፃፀሩሉ ኩነታት፣መግለፂ ዘይሃበ ’ፀላእቲ‘ታ ሃገር’ ንዝደልይዎ ንዘይምድማቅ ኢሉ ምኻኑ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ገሊፆም።

እቲ ናይ ምንስቴር ዜና ተጓንፎ ካብ ዝኽሰት፣ድሕሪ ሰለስተ ሰሙናት ኣብ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ኤርትራ ዝወፀ ሓፂር ፅሑፍ፣21 ጥሪ እንታይ ከምዝተፈፀመ ኣይሕብርን።

ኩነታት‘ቶም ንምንስትር ዜና ተቆፃፂሮም፣ሓደ ሓላፊ ብቴሌቭዥን መግለፂ ቅሬታታት ንከንብብ ዘገደዱ ናዕበኛታት ዝጠቀሶ ነገር የለን ሪኢቶ‘ቶም ፕረዚደንት።

መረረት‘ቶም ናዕበኛታት እናተነበበ ከሎ፣እቲ ፈነወ ቴሌቭዥን ተቋሪፁ‘ዩ። መብርሂ‘ኳ ኣይገበረሉ‘ምበር፣እቲ ፈነወ ድሕሪ ኣስታት 12 ሰዓታት ስርሑ ከምዝጀመረ‘ውን ዝዝከር‘ዩ።

እቲ ኣብ መንግስታዊ ሚድያ ዝወፀ መግለፂ፣ፕረዚደንት ኢሳያስ ”ዘሰክፍ ጉዳይ ስለዘይነበረን ስለዘየለን፣ኣይትሻቀሉ ኢሎም‘ዮም።ኣቶ ኢሳያስ፣ መንግስቲ መግለፂ ካብ ምውፃእ ዝተቆጠበሉ ምኽንያት፣ሳዕቤኑ ኣብ መኣዲ፣‘ውዱቃትን ተፃባእትን ተኣንጊድካ ንዝደለይዎ ምቅላሕን ምድማቅን ስለዝኸውን‘ዩ ካብ ዝብል ተበጊስና ኢና’ ኢሎም።መንግስቶም ጊዚኡ ምስ ኣኸለ፣መግለፂ ክህበሉ‘ዩ ይብሉ ፕረዚደንት ኢሳያስ።

ወግዓዊ መግለፂ ኣብ እዋኑ ስለዘይተረኽበ፣ኣብ መርበብ ሓበሬታታ ብርክት ዝበሉ ወረታት፣ንፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ሓዊስካ፣ክቃልሑ ዕድል ሂቡ‘ዩ።

ድሕሪ‘ቲ ተጓንፎ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ሒደት ሓበሬታ‘ዩ ተረኺቡ።ፀረ መንግስቲ ተቃውሞ ኣብ ፊት ንፊት ኤምባሲታት ኤርትራ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲን ካልኦት ከተማታትን ተካይዶም፣መንግስቲ ፕረዚደንት ኢሳያስ ንጠለባት‘ቶም ንምንስቴር ዜና ተቆፃፂሮም ዝነበሩ ወትሃደራት ከማልእ፣ሕገ-መንግስቲ ክትግበር፣ፖለቲካዊ እሱራት ክፍትሑን ዴሞክራስያዊ ለውጢ ክተኣታተውን ፀዊዖም‘ዮም።
XS
SM
MD
LG