ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህንጸት ግድብ ዓብዪ ህዳሴ ንክደናጕ ግብጺ ሓቲታ፣ ኢትዮጵያ ግና ንሓደ መዓልቲ’ውን ኣይጓተትን ትብል


Nile
Nile

‘ፈረንሳዊን ኔዘርላንዳዊን ኩባንያታት ሓቢሮም ዝሰርሑሉ ኣገባብ ክሳብ ነጣጥሕ ወይ ካልእ ኩባንያ ክሳብ ንመዝዝ፣ መስርሕ ህንፀት’ቲ ግድብ ህድእ ንክብል ኢና ንሓትት ዘለና’ ኢሎም ምኒስትር ሃብቲ ማይ ግብፂ።

‘ብመሰረት ስምምዕነት ፕረዚደንት ግብፂ፣ ቀ/ሚ ኢትዮጵያን ፕረዚደንት ሱዳንን’ዩ። ኣብ’ቲ ስምምዕነት ሓደ ዓንቀፅ ኣሎ። ኣመላልኣን ኣሰራርሓን’ቲ ግድብ ክሳብ’ቲ መፅናዕቲ ዝዛዘም ክፅበ ኣለዎ ዝብል’ ኢሎም እቶም ግብፃዊ ባዓል ስልጣን።

ኣብ ሚኒስቴር ሃብቲ ማይ ኢትዮጵያ ሓላፊ ተሳገርቲ ሩባታት ኣቶ ተሾመ ኣጥናፌ ብወገኖም ‘ህንፀት’ቲ ግድብ ንሓደ መዓልቲ’ውን ኣይቛረፅን ከምኡውን ብዛዕባ ምጉታትን ምቑራፅን ኣልዒልና ንዘራረበሉ ኣጀንዳ ኣይኮነን፣ መራሕቲ ዝተሰማምዕሉን ዝፈረምሉን’ዩ’ ኢሎም።


XS
SM
MD
LG